ዋሽንግተን —
ካብ ሎስ-ኣንጀለስን ከባቢኣን ብሰንኪ ባርዕ ዱር ንዝተመዛበሉን ንብረቶም ዝሰኣኑን ዜጋታት ንምሕጋዝ ዓቢ ግብረ-መልሲ ይርአ ኣሎ። ሰሙን ኣብ ዘቑጸረ ባርዕ፡ ሎሚ እቲ ብርቱዕ ንፋስ’ውን ብመጠኑ ስለ ዝዘሓለ፡ ንኣጥፋእቲ ሓዊ ተስፋ ሂቡ ኣሎ። ቅድሚኡ ግን እቲ ጻዕሪ ነቶም ኵሉ ዝሰኣኑ ንምሕጋዝ’ዩ።
ነባሪት ኣልታንዳ ዝዀነ ዳኒኤላ ዊልያምስ፡ ብዘይካ ለቢሳቶም ዝነበረት ክዳንን ሒዛተን ዝሃደመት ደማሙን ኵሉ ንብረታ ኣብቲ ሓዊ ምህማዅ ትነግር። ገዛ ሓብታ ነዲዱ’ዩ። ገዛ ኣቦኣ፡ ምናልባት ክህሉ ይኽእል፡ ዛጊት ግን ኣይፈለጡን።
ቅጥዒ