ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ምጅማር በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓደ ልኡኽ ሎሳንጀለስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ በፂሑ


Member of the Delegate
Member of the Delegate

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሎሳንጀለስ ዝጀመሮ ሓድሽ በረራ ምኽንያት ብምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፀ ጉጅለ ልኡኽ ሎሳንጀለስ ምስ ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ተፈራሪሙ።ንከተማ ሎሳንጀለስ ናይ ምፍላጥ ስራሕ እውን ትማሊ ምሽት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ሸራተን ሆቴል ተኻይዱ’ሎ።

ኣብ 2014 ኣ/ፈ ጥራሕ 44 ሚሊዮን በፃሕቲ ዝርኣይዋ፣ኣብዚ ዓመት እዚ እውን ካብ 570 ቢሊዮን ዶላር ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ዘለዋ ናይ ሆሊውድ ሎሳንጀለስ ቀፃሊት መዕረፊ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኮይና’ላ።

ምጅማር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፀ ጉጅለ ንሎሳንጀለስ ናይ ምልላይ ስራሕ ኣብ ሸራተን ኣዲስ ኣካይዱ’ሎ።

ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡ ጋዜጠኛታትን ኣጋይሽን ብምስሊ ዝተሓገዘ መብርሂ ተዋሂቡ’ሎ።ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ሎሳንጀለስ፣ካብ ቦርድ ቱሪዝም፣ካብ ሓለፍቲ መዕረፎ ነፈርቲ ሎሳንጀለስ ከምኡ እውን ካብ ማሕበረሰብ ንግዲ ዝተዋፅኡ ሸሞንተ ኣባላት ዝሓቖፈ እዩ እቲ ጉጅለ ልኡኽ።

ካብ ኣባላት እቲ ልኡኽ ሓደ ዝኾኑ ምኽትል ፕሬዝዳንት ዓለምለኸ ቤት ምኽሪ ንግዲ ሎሳንጀለስ ካርሎስ ቫልድራማ ዕላማ እቲ ዑደት መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ሎሳንጀለስ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ ግዜ ትማሊ ሰሉስ ምብራር ብምጅማር ብሎሳንጀልስ ኣቢሉ ንኽልቲአን ሃገራት ከራኽበን ጀሚሩ’ሎ ኢሎም።

‘’ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝርከቡ ዓበይቲ መንገድታት ኣየር ሓደ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና’’ ዝበሉ ንሶም ኣስዒቦም ‘’መንገዲ ኣየር ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሎሳንጀለስ ናይ በፂሕኻ ምምላስ በረራ ምጅማሩ ካብ ቁጠባዊ ረብሕኡ ኣገዳሲ እዩ’’ኢሎም።

ምስ ናይ ኣዲስ ኣበባ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ናይ ሓባር ናይ መረዳድኢ ሰነድ ምፍርራሙ ኣባላትና ነንሕድ ሕዶም ክፋለጡን ዝሓሸ ናይ ንግዲ ስራሕ ብሓባር ምዕያይ ክኽእሉን መራኸቢ ድልድል እዩ ኢሎምዎ ።ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ንቁጠባዊ ምዕባለ ዘሎ ቕሙጥ ዓቕሚ ዝለዓለ ምዃኑ ስለዝተረዳእና እውን እዩ ኢሎም ብምውሳኽ።

ኣብ መዳያት ህንፀት መሰረተ ልምዓት፣ኣብ ትምህርቲ፣ኣብ ሓይሊ ኣብ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲን ኣብ ካልኦትን ሓቢርካ ብምስራሕ ዝሓሸ ምልውዋጥ ሓበሬታ ቁጠባን ናይ ንግዲ ከምዘሳልጥ ወሲኾም ገሊፆም።

ካብ ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ሓደ ዝኾኑ ትውልደ-ኢትዮጵያዊ ሳምሶን መንግስቱ ብዕብየቱ ካብ ዩናይትድ ስቴትስ ካልኣይ ካብ ዓለም ድማ ሓምሻይ ናይ ዝኾነ መዕረፎ ነፈርቲ ሎሳንጀለስ ምኽትል ዳይረክተር ፈፃሚ ስራሕ እዮም።

እዚ ጉጅለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምፅኡ ዕድላት ንግዲ ንምፅናዕ በሪ ዝኸፍት እዩ ይብሉ ንሶም።

XS
SM
MD
LG