ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ መጥቃዕቲ ቦምባ ተሓይል፡ ዩክሬን ንተወሳኺ ሓገዝ ትጽውዕ


ድሕሪ መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ ከተማ ኬቭ
ድሕሪ መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ ከተማ ኬቭ

ናብ ሎሚ ሓሙስ 21 መጋቢት 2024 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፡ ሩስያ ብቐንዱ ናብ ርእሰ-ከተማ ዩክሬን ኬቭ ዝቐንዐ 44 ቦምባ ሚሳይላት ተኲሳ፡ ቆልዑ ዝርከቡዎም 13 ዜጋታት ቆሲሎም።

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሩስያ ዝትኰስ ሚሳይላት ብተደጋጋሚ ይብርዕን ስለ ዘሎ፡ ንመራሕቲ ሩስያ ዘቘጥዐ ይመስል። ንተወሳኺ ናይ መዝነት ጊዜ ኣብ ቀረባ መዓልታት ደጊሙ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ናይ መጥቃዕቲ መደባቶም ከሐይሉ ምዃኖም ተዛሪቡ'ሎ።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ዘለንስኪ ብወገኑ ሃገራት ምዕራብ ሓገዝ ኣጽዋር ክልእካ ሓድሽ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ሩስያ ኣብ ቀረባ መዓልታት መጥቃዕቲ ከም ዘሐየለት ይገልጽ። ትማሊ ረቡዕ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ብዝተኰሰቶ ባልስቲክ ቦምባ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም፡ ትሽዓተ ሲቪላውያን ዜጋታት ድማ ቖሲሎም። ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ብመጥቃዕቲ ከቢድ ብረት 21 ዩክራናዊያን ምቕታሎም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG