ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኮርያን ዩክሬንን ንናይ ጸጥታ ምትሕብባር ከሓይላ ምዃነን ተገሊጹ


ሚንስተር ምክልኻል ዩክሬንን ሩስተም ኡመሮቭ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝ ኣተወሉ ዝተወስደ 27 ሕዳር 2024.
ሚንስተር ምክልኻል ዩክሬንን ሩስተም ኡመሮቭ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝ ኣተወሉ ዝተወስደ 27 ሕዳር 2024.

ደቡብ ኮርያን ዩክሬንን ንናይ ጸጥታ ምትሕብባር ከሓይላ ምዃነን ሎሚ ረቡዕ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ምሕባሩ ኤኤፍፒ ገሊጹ።

እዚ ስጉምቲ ግብረ መልሲ ምውፋር ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ኣብ ሩስያ ዘስዓቦ ስግኣት ከምዝኾነ’ውን ክልቲኣን ሃገራት ሓቢረን ኣለዋ።

እዚ መግለጺ ድሕሪ ርክብ ፕረዚደት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዩወልን ሚንስተር ምክልኻል ዩክሬንን ሩስተም ኡመሮቭ ዝወጸ ኮይኑ፡ ደቡብ ኮርያ ነቲ ነዊሕ ዝጸንሓ ኣብ ኲናት ንዘለዋ ሃገራት ኣጽዋር ዘይምሃብ ዝብል መርገጺኣ’ውን ክትቅይር ከምትኽእል ድሕሪ ምእንፋት’ያ’ዩ። ይኹን’እምበር ኣብ ርክብ ክልቲኦም ሰብ መዚ ብዛዕባ ምሃብ ኣጽዋር ኣይተለዓለን።

ፕረዚደንት ዩክሬን ዘለነስኪ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ መሓውራት ዜና ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕተት ዝርዝር ዘድልዮም ኣጽዋር ናብ ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ ምሕላፎም ሓቢሮም ኔሮም።

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ብወገኖም ሃገሮም ኣጽዋር እንተሂባ ፈላማይ ናይ ምክልኻል ኣጽዋር’ዩ ዝኸውን ክብሉ ምዝራቦም ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG