ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ከተማ ሲንጃር ካብ ቁጽጽር ዳዕሽ ነጻ ወጺአ' ፕረዝደንት መስዑድ ባርዛኒ


አብ ዒራቕ ናይ ኩርዲ ፕሬዝዳንት መስዑድ ባርዛኒ ተዋጋእቶም ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዳዕሽ ዝነበረት ከተማ ሲንጃር ነጻ ኣውጺኦምዋ ክብሉ ሎሚመዓልቲ ኣዊጆም።

ናዕበኛታት ዳዕሽ ኣብ ነሓሰ 2014 ዓ.ም.ፈ ንብዙሓት ከባቢታት ዒራቕ ኣብ ዝተቖጻጸርሉ እዋን ንሲንጃር እውን ብምቁጽጻር ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ኣሽሓት ንኡሳን ማሕበረሰብ ያዚዲ ቀቲሎምን ብባርነት ከግልግሉ ከገድድዎም ጸኒሖም'ዮም።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ቱኒዚያ ርእይቶ ዝሃቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስ ጆን ኬሪ ሲንጃር ኣብቶም ዝቕጽሉ መዓልታት ነጻ ከም እትወጽእ ምሉእ ብምሉእ እተኣማመን እየ ኢሎም።

ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተዛረቡ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ እውን ዳዕሽ ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ንቕድሚት ንኸይግስግስ ተዓጊቱ እዩ ይኹን እምበር ኣይተደምሰሰን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG