ዋሽንግተን —
ምዕራባውያን ብፍላይ ከኣ ኣመሪካ ነቲ ካብ ጽባሕ 27 ሓምለ 2023 ጀሚሩ ኣብ ከተማ ሴንት ፒተርስበርግ ሩስያ ዝካየድ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ ንምትዕንቃፍ ሸርሒ ይሰርሓ ኣለዋ ክብል ቤተ መንግስቲ ሩስያ ክረምሊን ከሲሱ።
ወሃቢ ቃል ዲመትሪ ፐስኮቭ ከም ዝበልዎ "መንግስታት ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጸቅጢ የጋጥሞም'ሎ" ኢሎም።
እቲ ብወጻኢ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቱን ዝጋባእ ዋዕላ ሰንት ፒትርስበርግ ንክልተ መዓልት ዝጸንሕ'ዩ።
ፕረ.ፑቱን ንግዲ፡ ጸጥታን ቀረባት ኣእካል ሓዊሱ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ በውልቂ'ዉን ክዘራረቡ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ኣካል'ቲ ምዕራባውያን ኹናት ዩክሬን ዝምልከት'ዩ ክብሉ ዝቃልሕዎ ጽልዋ ንምሕዳር ዝግበር ጻዕሪ'ዩ።
እዚ ኣኼባ ድሕር ሞስኮ ካብ ውዕል ኣእካል ጸሊም ባሕሪ ምውጽኣ ዝካየድ ዘሎኮይኑ ሩስያ ንድኻታት ሃገራት ኣፍሪቃ ብሕሱር ወይ ብነጻ እኽሊ ንምቅራብ ተኽእሎ ከምዘሎ'ውን ሓቢነ ኔራ'ያ።
ኣብዚ ንካልኣይ ጊዜ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ 49 ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝካፈላ ተሓቢሩ'ሎ።
ቅጥዒ