ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳር ከተማ ኮረም ንክልል ትግራይ ብተግባር ወታሃደራዊ መጥቃዕቲን ጭውያን ከሲሱ


ምምሕዳር ከተማ ኮረም ንክልል ትግራይ ብተግባር ወታሃደራዊ መጥቃዕቲን ጭውያን ከሲሱ።

ምምሕዳር ኮረም ወታሃደራዊ ምትንዃይ ካብክልል ትግራይ ቀጺሉ'ሎ ክብል ዝኸሰሰ ክኸውን ከሎ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ክሲ ኣሉታዊ ምላሽ ሂብሉ'ሎ።

ናይ ምምሕዳር ኮረም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና አቶ ገብረግዚኣብሄር ደረጀ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳም ኣብ ከባቢታት ኮረምን ከባቢኡን ኣብ ዘለዋ ቀበሌታት ኦፍላ ካብ ክልል ትግራይ ዝተወደበ ወታሃደራዊ ሓይሊ ኣትዩ ተኹሲ ምልውዋጥ ምንባሩ ተዛሪቦም። እቶም ዝኣተዉ ሓይልታት ንመጓዕዝያ ህዝቢ ኣውቶብሳትን መኻይን ቀይሕ መስቀልን ኣጥቂዖም ንሓደ ኣባል ኣመራርሓ ቀበሌ ጨውዮም ወሲዶም ኣብ ልዕሊ ካልእ ሓደ ሰብ ከኣ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዶም ኢሎም።

ነዚ ካብ ምምሕዳር ከተማ ኮረም ዝቀረበ ክሲ ምላሽ ክህቡ ዝተሓተቱ ኣመሓዳሪ ደቡባዊ ዞባ ክልል ትግራይ ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ ብወገኖም ነዚ ኣሉታ ምላሽ ብምሃብ ብኣንጻሩ እቲ ምትኹታኽ ዝተፈጸመ በቲ ዝኸስስ ዘሎ ኣካል እዩ ክብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም'ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG