ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንከተማ ኮረም ዝተቆጻጸሩ ሓይልታት ትግራይ ግህሰት መሰላት ይፍጽሙ ኣለው ክብሉ ነበርቲ ይኸሱ


ሓይልታት ትግራይ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዝተቆጻጸርወን ከተማ ኮረምን ወረዳ ኦፍላን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽሙ ከምዘለው ዝኸሰሱ ነበርቲ’ቲ ከባቢታት፣ እቲ ግህሰት፣ ክሳብ ምስዋር ዝበጽሕን ማሕረምቲ ከምዝሓውስን’ውን ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣቶ ሃብቱ ኪሮስ ግና እቲ ክሲ፣ ካብ ሓቂ ዝራሓቀን መሰረት ዘይብሉን እዩ ክብሉ ነጺጎምዎ።

ብኣንጻሩ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንከይፍጸሙ፣ ሓይልታት ትግራይ ምስ ፌደራላዊ ኣካላት ተሓባቢሮም ይሰርሑ ከምዘለው ኣቶ ሃብቱ ገሊጾም ኣለው።

ኣመሓዳሪ ከተማ ኮረም ኣቶ ብርሃኑ ሓይሉ ብወገኖም ‘በቶም ነበርቲ ዝቀረበ ክሲ፣ ቅኑዕ እዩ’ ከምዝበሉ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ኣብን ዝተባሃለ ፓርቲ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ወረዳታት ራያን ከተማ ኣላማጣን፣ ወሪሮም ንዝበሎም ሓይልታት ትግራይ፣ ብተግባራት ቅትለት፣ ምፍንቃልን ዘረፋን ከሲሱ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG