ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኮንሶ 6 ሰባት ከምዝሞቱ ወሃቢት ቃል ናይቲ ክልል ኣፍሊጠን


ኣብ ክልል ብሄርን ብሄረሰባትን ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ኮንሶ ዝተባህለ ከባቢ ብዝተላዕለ ጎንጺ 6 ሰባት ከምዝሞቱን ንብረት ከምዝዓነወን ናይቲ ክልላዊ መንግስቲ ወሃቢት ቃል ወይዘሮ ሂከማ ሄረዲን ገሊጸን።

ወሃቢት ቃል'ቲ ክልል ወይዘሮ ሂከማ ሄረዲን ሎሚ ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝገለጽኦ: መበገሲቲ ጎንጺ ወከልቲ ህዝቢ ኮንሶ ኢና ዝብሉ ሸፋቱዮም ክብላ ሓቢረን።

ንሳቶም ኮንሶ ብደረጃ ዞባ ከይተመደበት ልምዓት የለን እናበሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጸቕጢ ከምዝገበሩሉን: በዚ'ውን ዘይምርድ ዳእን ጎንጽን ተፈጢሩ ኢለን። መንግስቲ ድማ ሰላምን ጸጥታን ህዝቢ ንምኽባር ስጉምቲ ወሲዱ ኢለን።

XS
SM
MD
LG