ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኮንሶ መጥቓዕቲ ይፍጽሙ'ለው ተባሂሉ


ካብ 10 መስከረም ኣትሒዙ ማለት ካብ ​5 ጳጉሜን 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሎማዕንቲ ሰሉስ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ኮንሶ መጥቓዕቲ ፈፂሞም ክብሉ ሓደ ናይቲ ከባቢህዝቢ ተወካሊ እየ ዝብሉ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ብሰንኪ እቲ መጥቓዕቲ ብርክት ዝበሉ ኣባይቲ ከምዝተቓፀሉን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝተመዛበሉንን ብዙሓት ሰባት እውን ኣበይ ከምዝኣተው ከምዘይፍለጥን ገሊፆም ኣለው።

ኣባል ወኪላት ህዝቢ ኮንሶ ምዃኖም ምዃኖም ዝጠቐሱ​ ኣቶ ገመቹ ገምሴ " ሓይልታት ምክልኻል ባዕሉ ኣቲዩ እዩ ብከቢድ ብረት ምድብዳብ ዝጀመረ።ብፍላይ ድማ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ብዝለዓለ ኩነታት እዩ ከቢድ ኣፅዋር እናተኮሰ ነቲ ዝህቢ ከሳድዶ ዝጀመረ" ኢሎም​።

ሎማዕንቲ እውን እቲ ብፍላይ ኣብ ኣይሎታ ዝተብሃለ ጣቢያ ዝለዓለ ባርዕ እናወረደ ከምዘሎ ገሊፆም ኣቶ ገመቹ። ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ ይሙቱ ይሃልው ዝፍለጥ ነገር የለን ኢሎም።

ብዛዕባ እዚ ካብ ብሄርን ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክልላዊ መንግስቲ መብርሂ ንምርካብ ዝገበርኩዎ ፃዕሪ ኣይሰለጠን ይብል ፀብፃብ መለስካቸው ኣምሃ።

XS
SM
MD
LG