ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ዝነበሩ ኮፊ ኣናን ዓሪፎም


ኮፊ ኣናን
ኮፊ ኣናን

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃን ተሸላማይ ሽልማት ኖቤልን ዝኾኑ ኮፊ ኣናን ቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ መበል 80 ዕድሚኦም ኣብ በርን ስዊዘርላንድ ሞይቶም።

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኮይኖም የገልግሉ ዘለው ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንኮፊ ኣናን ‘ዓርከይን መኻርየይን’ ክብሉ ገሊጾሞም።

ኣብ ጋና ዝተወለዱ ኮፊ ኣናን ንኣህጉሮም’ውን ኣይረስዑዋን’ዮም። ብዛዕባ ኣፍሪቃ ፍሉይ ሓላፍነት ኣለኒ ይብሉ ዝነበሩ ኣናን፣ ንምዕባለ እታ ኣህጉር ሰሪሖም’ውን’ዮም።

ኮፊ ኣናን ቅድሚ 18 ኣብ ኣህጉረ ኣፍሪቃ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ‘ድኽነትን ወጽዓን ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ መልክዓት’ዮም፣ ሓቐኛ ምዕባለ ማለት ድማ ካብ ክልቲኦም ምግልጋል’ዩ፣ ሓደ መንግስቲ ንህዝቡ ካብ’ዞም ክልተ ጸገማት ክሳብ ዘየናገፉ ዴሞክራሲያዊያን’ዮም ክባሃሉ ኣይኽእሉን’ ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ። ኮፊ ኣናን ሽልማት ኖቬል ቅድሚ 17 ዓመታት ከምዝተቐበሉ ዝዝከር’ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:26 0:00

XS
SM
MD
LG