ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዑደት ንጉስ ቻርለስ ኣብ ኬንያ፡ ጸሊም ሓድጊ መግዛእቲ ማእከላይ ስፍራ ይሕዝ


ዑደት ንጉስ ቻርለስ ኣብ ኬንያ
ዑደት ንጉስ ቻርለስ ኣብ ኬንያ

ሎሚ ሰሉስ 31 ጥቅምቲ 2023 ንናይ ኣርባዕተ መዓልታት ስራሕ ዑደት ኬንያ ዝኣተዉ ናይ እንግሊዝ ንጉስ ቻርለስ፡ ሃገሮም ኣብ ኬንያ ዝተጻወተቶ ጸሊም ሓድጊ መግዛእቲ ቀንዲ ኣተኵሮ ዑደቶም ኰይኑ ኣሎ።

ንጉስ ቻርለስ ምስ በዓልቲ-ቤቶም ኣብ ቤተ-መንግስቲ ወግዓዊ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም፡ ናብቲ ኬንያ ናጽነታ ዝኣወጀትሉን ተቓለስቲ ዝተቐብሩሉን ቦታ’ዮም ኣምሪሖም።

ዑደት ንጉስ ቻርለስ መራሕቲ ማሕበረሰብ ኬንያ፡ እንግሊዝ ነቲ ዝፈጸመቶ በደላት ብወግዒ ይቕረታ ክትሓተሉን ንግዳያት ካሕሳ ክትከፍልን ኣብ ዝሓቱሉ ዘለዉ እዋን’ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ቤት ጽሕፈት ንግስነት ዓዲ-እንግሊዝ ዝዀነ በኪንግሃም ፓላስ ንዑደት እቶም ንጉስ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ “ልዑልነቶም ነቲ ዝተፈጸመ ስሕተትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኬንያ ዝወረደ ኣደራዕን ብግቡእ ክግንዘቡን ብቐረባ ክርእዩን’ዮም፡” ክብል ኣስፊሩ።

እቲ መግለጺ ብዛዕባ ካሕሳ ንምኽፋል ወይ ድማ ብወግዒ ይቕረታ ንምሕታት መደብ እንተሎ ግን ኣይጠቐሰን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG