ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዑል ዊልያም ንተራ ኣቦኡ ንጉስ ቻርለስ ይምልእ፡ ኣብ ምስጢራውነት ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ሓድሽ ምዕራፍ ይኸፍት


ንጉስ ቻርለስ
ንጉስ ቻርለስ

ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ መንሽሮ ምሕማሙ ወግዓዊ ድሕሪ ምዃኑ፡ ኣብ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ እንግሊዝ ንዝጸንሐ ነዊሕ ዓመታት ዝኸደ ምዕቃብ ምስጢር ንግስነት ሓድሽ ኣንፈት ዘርኢ’ዩ ክብሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ኣብ ስድራቤት ንጉስ እንግሊዝ ካብ ቤት ጽሕፈት፡ ንኹነታት ጥዕና ኣባላት ስድራቤት ንጉስ ኣመልኪቱ ዝወጽእ ሓበሬታ ኣዝዩ ንኡስ’ዩ ጸኒሑ።

ንጉስ ቻርለስ ሕማም መንሽሮ ከም ዘለዎ ንህዝቢ ወግዓዊ ምግባሩ፡ ነቲ ኣንጻር’ቲ ሕማም ኣብ ዝግበር ወፍሪ ኣቓልቦ ንምሃብ’ዩ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ። ዜና ንጉስ ቻርለስ ድሕሪ ምቅላሑ’ውን ናብ መርበብ ሓበሬታ ማእከል መጽናዕቲ መንሽሮ እንግሊዝ ዝበጽሑ ኣንበብቲ ብሃንደበት ብ42% ምዕባዩ ነቲ ኣሃዱ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ንጉስ ቻርለስ ንኩነታት ጥዕናኡ ምግላጹ’ውን ኣብ እዋን ቅልጡፍ ምብጻሕ ሓበሬታን ግዜ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ነቲ ሕማም ንምሽፋን ከቢድ ምዃኑ ክኢላታት ይግምግሙ። ብተወሳኺ ንጉስ ቻርለስ ኣብ ዘካይዶ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ምብጻሕን ብሰንኪ እቲ ሕማም ተሳትፎኡ ክጎድል ባህርያዊ ምዃኑ ይእመት። ምንጋር ናይዚ ሕማም እምበኣር ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ነቕፌታ’ውን ንምእላይ ምዃኑ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉ ወገናት ይዛረቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንጉስ ቻርለስ ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝተኣለየሉ ወዱ ልዑል ዊልያም ንቦታ ኣቦኡ ተኪኡ ኣብ ውሱን ህዝባዊ ኣገልግሎታት ይሳተፍ ምህላዉ ተፈሊጡ። ልዑል ዊልያም ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ምትእኽኻብ ሓገዝ ይሳተፍ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG