ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሜ/ጀነራል ክንፈ ዳኘው ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ


ዋና ዳይሬክተር መተክ ነበር ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሒን ዝወሰደ ክርክር ናጻ ምልቃቑ ጠበቓኡ ሃብቶም ከሰተ ኣፍሊጡ። እቲ ዋና ዳይሬክተር ብናይ ክልተ ቢልዮንን 37 ሚልዮንን ብር ዕድጊ “ኣገባቡ ዘይሓለወን ግቡእ ቅጥዒ ዘየማልአን” ብዝተባህለ ክሲ’ዩ ካብ ሕዳር 2018 ኣትሒዙ ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሑ።

ሚኒስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘውን ንኣመሓዳሪ ክልል ሶማል ነበር ዓብዲ መሓመድ ዑመርን ቀሪቦም ዝነብሩ ክስታት ምልዓሎም ሓቢሩ ነይሩ።

ሜ/ጀነራል ክንፈ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ኢትዮጵያ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣብ ጽቡቕን ዝተረጋግአን ኩነታት ከም ዘሎ ጠበቓኡ ብጽሑፍ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣካፊሉ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG