ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንሕቶ መንነት ህዝቢ ወልቃይት ካብ መንጎ ዝመርሑ 4 ኣባላት ኮሚቴ ተዓፊኖም ተወሲዶም


ንሕቶ መንነት ህዝቢ ወልቃይት ካብ መንጎ ዝመርሑ ኣርባዕቲኦም ኣባላት ኮሚቴ ካብ ከተማ ጎንደር ተዓፊኖም ከምዝተወስዱብ ሃለዋቶም ከምዝይፍለጥን ናይቲ ኮሚቴ ፀሓፊ ኣቶ ኣደራጀው ዋኘው ሓቢሮም።

ካልእ ኣባል'ቲ ኮሚቴ'ውን ኣብ መንበሪ ገዝኦ ተኸቢቦም ከምዝከቡ ተፈሊጡ።

ካብ ፌደራልን ክልልን ዝተረኽቡምንጭታት ነቲ ዜና ኣረጋጊፆምዎ ኣለው።

ኣቶ ኣደራጀው ዓፈንቲ ንኣርባዕቲኦም ኣባላት ኮሚቴ ለይቲ ስዓት 11 ጀሚሩ ኣብ ከተማ ጎንደር ከምዝሓዙዎም ሓቢሮም ።

ንሶም " መንነቶም ኣይፍለጥን፤ናይ ፌደራል ፖልስ እዮም ተኸዲኖም።ገፆም እውን ተሸፊኖም እዮም።እዞም ዓፈንቲ መጀመሪያ ናብ ኣቶ ኣታላይ እያሴ ገዝኡ ሰይሮም ብምእታው ወሲዶምዎ።ኣቶ ኣታላይ ኣተሓባባሪናን ምኽትል ፕሮፕጋንዳን እዩ።

ኣቶ ጌታቸው ኣደነ ኣቦ መንበርና እዩ።ኣቶ ኣለነ ሻማ ኣተሓባባሪ እዩ።ኣቶ መብራህቱ ጌታሁን ድማ ርክብ ህዝብን ንናይ ገጠር ከሚቴታት ዘንቀሳቕስን እዩ።ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኣለው" ኢሎም።

XS
SM
MD
LG