ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዲስ ኣበባ፣ኣሸዋ ሜዳን ቡራዩን ዝተቐትሉ 58 ሰባት ምዃኖም ኣምነስቲ ገሊፁ


rescued people from Burayu, Ethiopia
rescued people from Burayu, Ethiopia

ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣሸዋ ሜዳ፣ቡራዮን ዝተባህሉ ከባቢታት ዝተቐትሉ በዝሒ ሰባት 58 ምዃኖም ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኣፍሊጡ።

ፌደራል ፖሊስ ብወገኑ ዛጊድ ካብ ሆስፒታላት ዝተኣከበ መረዳእታ ኣብ ኢዱ ከምዘይበፅሐ ብምግላፅ እቲ በዝሒ ኣምነስቲ ዝገለፆ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፁ’ሎ።

ዝቖሰሉ ሰባት ድማ 300 ከምዝበፅሕ ፌደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ።ብቕትለትን ግጭት ብምልዕዓልን ዝተጠርጠሩ ሰባት ካብ ቡራዩን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ኮሚሽነር ዘይኑ ጀማል ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG