ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅትለትን ምምዝባልን ዜጋታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ዚቡስሬ ክልተ ሰባት ብዘስቅቕ ከምዝተቐትሉ ስድራ መዋቲ፣መሰኻኽር ዓይንን ኣማሓዳሪ ናይታ ወረዳን ገሊፆም ኣለው።

ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ኣቶ ኣበራ ያዴታ እቲ መቕተልቲ ምርመራ እናተገበረ ምዃኑን መቕተልቲ ኣብዝተፈፀመሉ እዋን ዝነበሩ ክልተ ፖሊስ ስለምንታይ ኣብ ቅድሚኦም ከምዚ ኮይኑ ብዝብል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምእታዎም ሓቢሮም።ንሱ ብተወሳኺ እቶም ፖሊስ ጥርጡራት ከምዘይኾኑ ሓቢሩ'ሎ።

ካልኦት ክልተ ሰባት እውን ከምኡ ኣብ ቁፅፅር ከምዝርከቡን እዚኦም እውን ተጠርጠርቲ ከምዘይኮኑን ኣቶ ኣበራ ሓቢሮም።

ብኻሊእ ዜና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኢሉባቡር ወረዳ ሁሩሙ ፍሉይ ሽሙ ቶማዮቢ ብሰፈራ ቅድሚ 33 ዓመታት ናብቲ ከባቢ ብሰፈራ ዝኸዱ 19 መራሕቲ ስድራ ንብረቶን ገዛውቶም ተወሪሩ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዓቑቦም ከምዝርከቡ ገሊፆም ኣለው።

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥለትን ምምዝባልን ኣብ ክልል ኦሮሚያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:16 0:00

XS
SM
MD
LG