ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወረዳ ኪረሙ 8 ሓረስቶት ብዕጡቓት ምቕታሎም ሰብ መዚ ገሊጾም


የኢትዮጵያ ካርታ
የኢትዮጵያ ካርታ

ኣብ ክልል ኦሮምያ ወረዳ ኪረሙ ሸሞንተ ሓረስቶት ዝሓለፈ ሰሙን ብዕጡቓት ምቕታሎም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርክባት እቲ ወረዳ ጅሬኛ ህርጳ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ቤት ድሕፈት ርክባት'ቲ ክልልን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድረኦም ጉድኣት ዝበፅሖም ነበርቲ እቲ ኸባቢ ፈጸምቲ'ቲ ቕትለት ጥሩፋት ኣምሓራ እዮም ኢሎም ።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ድምፂ ኣመሪካ ኣብቲ ኸባቢ ንዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ንምዝርራብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ወረዳ ረሙ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንዝወረደ መጥቃዕቲ ሓዊሱ ካልኦት ኣብቲ ክልልን ካልኦት ክልላትን ተፈፂሞም ንዝበሃሉ መጥቃዕትታት ሰብ ሞያ መርመራታት የካይዱ ምህላዎም ብምጥቃስ ኣብ ቀረባ ኣብዚ ጉዳይ ጥቅልል ዝበለ መግለፂ ክህብ ምዃኑ ገሊፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG