ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጅምላዊ ቅትለት ኣብ ካሊፎርንያ ኣሜሪካ


ኣብ ሳን በርናርዲኖ ከተማ ካሊፎርንያ ኣሜሪካ፣ ብሰንኪ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ውልቀ-ሰባት 14 ሰባት ሞይቶም 17 ድማ ቆሲሎም።

ኣዛዚ ፖሊስ’ታ ከተማ በርገን፣ ኣብ ኣሜሪካ ዝተወለደ 28 ዓመት ዝዕድሚኡ ስዒድ ፋሩቅን 27 ዓመት ዝዕድሚኣ ታሽፊቅ ማሊቅን ኣብ’ቲ ጅምላዊ ቅትለት ተሳተፍቲ’ዮም ኢሎም።

‘ፋሩቅ፣ሰራሕተኛ መንግስቲን ኣብ ሚኒስትር ጥዕና ኪኢላ ከባቢ ኮይኑ ንዝሓለፉ 5 ዓመታት ዝሰርሓን'ዩ።

ፖሊስ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ሓበሬታ በጺሕዎ ተኸታቲልዎም ነይሩ። ኣብ መወዳእትኡ ፋሩቅን ማሊቅን ምስ ፖሊስ ተታኺሶም ሞይቶም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ኣብ ቴለቭዥን ሲቢኤስ ቃለ-መጠይቅ ዝገበሩ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፣ ኣብ ኣሜሪካ ጅምላዊ ቅትለት እንደገና ምፍጻሙ ከምዘጉሀዮም ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ጅምላዊ ቅትለት ኣብ ካሊፎርንያ ኣሜሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:15 0:00

XS
SM
MD
LG