ኣብ ማእከላይ ሱዳን ግዝኣት ኣል-ጀዚራ፡ ዋስ ኦሻይብ ዝተባህለ ዓዲ፡ ብሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ድጋፍ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 40 ሰባት ምማቶም ሰብ-ሞያ ሕክምና ገሊጾም። ሰብ-ሞያ ሕክምና ካብቲ ቦታ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ከም ዝሓበሩዎ፡ እቶም ግዳያት ብጥይት ተሃሪሞም’ዮም ሞይቶም።
ንመደበር ቴሌቭዥን ኣልጀዚራ ቃል ምስክርነት ዝሃቡ መሰኻኽር እቲ መጥቃዕቲ ትማሊ ሰሉስ ከም ዝተፈጸመ ሓቢሮም ኣለዉ። ብተወሳኺ እቲ መጥቃዕቲ ሎሚ ረቡዕ'ውን ቀጺሉ ከምዝወዓለን ኣባላት ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ደገፍ ንብረት ይዝርፉ ከም ዘለዉን ተሓቢሩ'ሎ።
ሓደ ካብ ላዕለዋይ መሪሕነት ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ድጋፍ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ሰራዊት ሱዳን ምጽንባሩ ስዒቡ ኣብ ግዝኣት ጀዚራ ዘጋጠመ ዝደሓረ መጥቃዕቲ'ዩ።
ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ንደሓር ኣስታት 340,000 ሰባት ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ሓቢሩ'ሎ። ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቲቨን ዱጃሪክ እዚ መጥቃዕቲ ንህይወት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ኣጠንቂቆም ኣለዉ።
ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ዳጋፍ ኵናት ካብ ዝጅመር ንደሓር ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም፡ 11 ሚልዮን ዝኾኑ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም፡ 3 ሚልዮን ካብኦም ድማ ካብ ሱዳን ናብ ካልኦት ሃገራት ዝተሰዱ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።
ቅጥዒ