ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እሱራት ቂሊንጦ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቲሎም ንዝበልዎም ንምዝካር ሓዘን ገይሮም


ኣብ ቂሊንጦ ተኣሲሮም ዘለው ፖለቲካዊ መራሕቲ ኦሮሞን ካልኦትን ብመሰረት ዘቅረብዎ መጸዋዕታ፣ ነቶም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቀትሉ ዝብልዎም ንምዝካር ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ይግበር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ቅድሚ ትማሊ ዝጀመረ ዝተባሃለ መዓልቲ ሓዘን፣ ጸግሪ ምልጻይን ጸሊም ክዳን ብምልባስን ይካየድ ከምዘሎ’ውን እቲ ዜና ገሊጹ።

ነቶም እሱራት ኣገልግሎት ሕጊ ከምዝልግሱ ዝዛረቡ ኣቶ ወንድሙ ኢብሳ፣ ኣብ ቦሌን ቡልቡላን ነቶም እሱራት ከምዝበጽሑ ይዛረቡ።

‘ንሳቶም ከምዝብልዎ፣ እዚ ተግባር’ዚ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞቶትን ካልኦት ዜጋታትን ይፍጽሞ ኣሎ ዝብልዎ ቅትለት፣ መግረፍትን ምግሃስ መሰላትን ጠጠው ንከብልን፣ ንዝተቀትሉ ዝብልዎም ንምዝካርን’ዩ’ ኢሎም ንሶም።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ከምኡውን ኣብ ቃሊቲ ዝርከቡ ኣነ ዝውክሎም እሱራት፣ ጸግሮም ከምዝላጸይዎ ካብ ቤተ-ሰቦም ተረዲአ ኣለኹ፣ ዝራኣኽዎም’ውን ተላጽዮም’ለው ኢሎም።

XS
SM
MD
LG