ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስም ዝርዝር ጉድኣት ዘይወረዶም እሱራት ቂሊንጦ ተገሊጹ


ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቂሊንጦ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ስም ዝርዝር ጉድኣት ዘይወረዶም እሱራት ሎሚ ከምዝተነግረ ስድራ እሱራት ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ኣብቲ ዝርዝር ኣስማት መንነቶም በቲ ሓደጋ ናይ ዝሞቱ ሰባት ከምዘይኣተወን እቶም ስድራ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣባላት ኣመራርሓ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ በቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከምዘይተጎድኡ ካብ ሰበ ስልጣን እቲ ማእሰርቲ ክርድኡ ከምዝኸኣሉ እቲ ፓርቲ ኣፍሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ በቲ ባርዕ ሓዊ 23 ሰባት ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG