ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤተሰብ እሱራት ቂሊንጦ 5 ደቒቕ መብጽሒ ግዜ ብምውሃቦም ኣማሪሮም


ኣብ ኢትዮጵያ ስድራቤት እሱራት ዝሓለፈ ሰሙን ባርዕ ሓዊ ኣጋጢምዎ ናይ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ቂሊንጦ ካብ ቀዳም ጂሚሩ ቤተሰብ እሱራት ካብ 5 ደቒቕ ዝወሓደ ግዜ ጥራይ ክርእይዎም ከምዝተገብረ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ዳይረክተር ርክብ ህዝቢቲ ፌደራል ቤት ማእሰርቲ ኣቶ ግዛቸው ተሰማ ግን ብዛዕባዚ ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘየለ ን ድማጺ ኣመሪካ ገሊጾም ኣለው ይብል ጸብጻብ ጽዮን ግርማ።

XS
SM
MD
LG