ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሕማም ኩሊት ኣብ ሓደጋ ዘለዋ ክልተ ኣሓት ኣርክቡልና ይብላ


ወላዲት ሓንቲ ኩሊት ከበርክት እየ ኢለን

ኣብ ከተማ ዓድዋ ትግራይ ዝተወለዳ ክልተ ደቀን፣ብጠንቂ ሕማም ኩሊት ኣብ ኣፍ ሞት ከምዝርከባ ወላዲት ወ/ሮ ግደይ ዘገየ ገሊፀን።

ንሰን ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ-ምልልስ ከምዝሓበረኦ፣ንክልቲኤን ደቀን ንምድሓን ኣብ ወፃኢ ሕክምና ኣገዳሲ ኮይኑ ተረኺቡ‘ሎ።ዘድልይ ወፃኢ ድማ 5 ሚእቲ ሽሕ ቅርሺ (25) ሽሕ ዶላር እዩ ኢለን።

ኣብ‘ዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓገዝ ዳያልስስ ይረኽባ ከምዘለዋ ዝገለፃ ክልቲኤን ደቀን፣ሙሉብርሃንን ፍረህይወትን መልኣኩን ካብ ገበርቲ ሰናይ ወገናትን ትካላትን ሓገዝ ንክረኽባ ይላበዋ’ለዋ።

ነዘን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከባ ክልተ ንኡሳት ንምሕጋዝ ዓቅሚን ተወፋይነትን ዘለዎም ወገናት፣ንዘበርክትዎ ሓገዝ ኣብ ባንኪ ኢትዮዽያ ቁፅሪ ባንኪ ተዳልዩ‘ሎ‘ውን ኢለን ወ/ሮ ግደይ።

XS
SM
MD
LG