ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ድሕሪ ስምምዕ፤ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ህዝቢ ትግራይ ግፍዒ ይፍጸም” ኣሶሴይትድ ፕረስ


ከተማ ሽረ ፋይል
ከተማ ሽረ ፋይል

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ብሓይልታት ኤርትራን ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ህዝቢ ትግራይ ጭፍጨፋ ይቕጽል ኣሎ ኢሉ። እቲ ኣገልግሎት ዜና፡ ንሰራሕተኛታት ረዲኤት ብምጥቃስ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ሽረ ልዕሊ 300 ዝዀኑ መንእሰያት ብሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ተኣሲሮም ክብል ጠቒሱ። ከም መግለጺ እቲ ሰራሕተኛ ረዲኤት፡ እቶም ግዳይ ማእሰርቲ ዝዀኑ መንእሰያት ምስ ሓይልታት ህወሓት ምትሕሓዝ ኣለኩም ብዝብል ምኽንያት’ዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ኮረምን ኣላማጣን ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን መንእሰያት ብተመሳሳሊ ናይ ምትሕብባር ክሲ መንእሰያት ምእሳሮም’ውን ካልእ ምንጪ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዘስፈሮ፡ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ምህላው ቀጺሎም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት ዓመጽ፡ ዘረፋን ምጕስቓልን የውርዱ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ንቴለቪዥን ክልል ትግራይ ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ’ውን ሰራዊት ኤርትራ ብ19 ሕዳር ኣብ እገላ 63 ሲቪላውያን ዜጋታት ቀቲሉ ክብል ጸብጺቡ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ወሃብቲ-ቃል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጦ ጠቒሱ።

ስምምዕ ኬንያ፡ ምውጻእ ናይ ደገ ሓይልታት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ምስ ምፍታሕ ምውራድ ከቢድ ብረት ሓይልታት ትግራይ ክፍጸም’ዩ ይብል። ንኣመሪካ ሓዊስካ ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽእ ብዙሓት መንግስታት ክጽውዓ ጸኒሐን ኣለዋን።

XS
SM
MD
LG