ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምዕራብ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብዕጡቓት ተጨውዮም ናብ ኤርትራን ከምዝተወሰዱን ዝተቐተሉ’ውን ከምዝርከቡዎምን ካብቲ መጭወይቲ ዘምለጡ ኣፍሊጦም።ተቓዋሚ ፓርቲ ዓረና ትግራይ ብወገኑ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራሕ 259 መንእሰይ፡ኣብዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ድማ ሓደ ሽሕ ሰባት ከምዝተጨወዩ ሓቢሩ’ሎ።
ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ኣቶ ገብሩ ኣስራት መንግስቲ ደሕንነት ዜጋታቱ ክሕሊ ኣለዎ ኢሎም።
እቲ ዳሕረዋይ መጭወይቲ 24 ሚያዚያ 2004 ዓ/ም ወይ’ውን 2 ግንቦት 2012 ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ፍሉይ ሽሙ ከርሸሪ እዩ ተፈፂሙ።ካብቲ መጭወይቲ ዘምለጡ፡ቤተሰቦም ዝተቐተሎምን መግለፂ ዓረና ትግራይን ዝሓዘ ትሕዝቶ የድምፁ።