ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ዘላቒ ሰላም ከስፍን ተስፋ ኣለኒ ኢሎም ምንስቴር ወፃኢ ደቡብ ሱዳን


China's Foreign Minister Wang Yi
China's Foreign Minister Wang Yi

ናይ ደቡብ ሱዳን ምንስቴር ወፃኢ ኣብዚ ሰሙን እዚ ብቻይና ዝሕገዝ ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ልዝብ ሰላም ኣብታ ሃገር ሰላም ከምፅእ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዘለዎም ገሊፆም።

ናይ ደቡብ ሱዳን ምንስቴር ወፃኢ ባርናባ ማሪያል ቤንጃምን ብናይ ቻይና ሸምግልና ኣብ ካርቱም ካብ ዝተኻየደ ልዝብ ሰላም ሎማዕንቲ ረቡዕ ምስ ተመለሱ ኣብ ዋና ከተማ ጁባ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ እቲ ልዝብ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ንዝካየዱ ፃዕርታት ዘጠናኽር እዩ ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ጁባ ዳይረክተር ማእኸል መፅናዕትታት ሰላምን ልምዓትን ዝኾኑ ሉካ ቢዮንግ ደንግ ብቻይና ዝምራሕ ልዝብ ሰላም ይቕፅል ምስ ዘሎ ናይ ኢጋድ ፃዕርታት ሰላም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ክካየድ ኣለዎ ምስ በሉ ኣብ ሓደ እዋን ብዙሓት ተበግሶታት ምውሳድ ንፃዕርታት ሰላም ዘዘሕትል እዩ ኢሎም።

ምንስቴር ወፃኢ ደቡብ ሱዳን ማሪያል ግን መንግስቲ ቻይና ኣብታ ሃገር ሰላም ክዓስል ዝገብሮ ዘሎ ፃዕርታት ንኢዶም ኣለው።

ቻይና ኣብ ኢንዱስቱሪ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ብዙሕ ገንዝበ ዝመወለት ሃገር እንትኾን ብምኽንያት እቲ ውግእ ሲሶ ኢድ ምህርቲ ነኪዩ’ሎ።

ቻይና ኣብ ትካልት ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ንዝሰርሑ ስቪላት ዝሕልው ተወሰኽቲ 750 ወታደራት ትልእኽ ኣላ።እዚ ብዛዕባ ሻራዊነት ቻይና ስኽፍታ ኣልዒሉ’ሎ።ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ሱዳን ማሪያል ግን ወታደራት ቻይና ምስ ክልቲኦም ወገናት ከይወገነ ኣብ ትሕቲ ሕቡራት መንግስታት ዝሰርሕ እዩ ኢሎም።ብምስዓብ ‘’ህዝባዊ ሪፓብሊክ ቻይና ከይዲ ሰላም ንቕድሚት ክስጉም ምፍታና ዝሕብሮ እንተሃለወ መንግስቲ ቻይና ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ክሰፍን ዘለዎ ቅሩቡነት ከምዘለዎ እዩ’’ኢሎም።

ነቲ ናይ ካርቱም ልዝብ ዝመርሑ ናይ ቻይና ምንስቴር ወፃኢ ዋንግ ዪ ምስ ልኡኻት ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ነንበይኖም ከምዝተራኸቡን ምስ ኢጋድ እውን ከምዝተዘራረቡን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ካርቱም ዝተራኸቡ ክልቲኦም ወገናት እቲ ግጭት ብሰላም ንኸብቅዕን ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተበፅሐ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ክኽበርን ድልውነቶም ገሊፆም ኣለው ኢሎም ምንስቴር ወፃኢ ደቡብ ሱዳን።

ኣብ መወዳእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ኣብ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ንምብፃሕ ብሓድሽ መንፈስ ናይ ኣዲስ ኣበባ ልዝብ ሰላም ክቕፅል መንግስቶም ተስፋ ኣለዎ።

XS
SM
MD
LG