ደሴ —
ኣብ ኣዋሽ ፈንታሌ ናይ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ መስከረም ንደሓር ብተደጋጋሚ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ጉድኣት ዝበጽሖ ፋብሪካ ሽኮር ከሰም ስራሕ ደው ምባሉን ሰራሕተኛታቱ ንምፍናው ሓበሬታ ምዝርግሑን ተገሊጹ።
እቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ዝሕዝ ፋብሪካ ዘሕለፎ ሰራሕተኛታት ናይ ምፍናው ውሳነ ግቡእ ከምዘይኮነ ማሕበር ሰራሕተኛታት እቲ ፋብሪካ ይገልጽ። እቲ ማሕበር እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ ካልኦት ኣማራጺታት ክረኣዩ ኔሮም ክብል ድማ ተቓውምኡ ይገልጽ።
ኣካየድቲ እቲ ፋብሪካ ነቲ ውሳነ ብዝምልከት ንመሓውራት ዜና ክሳብ ሕጂ መብርሂ ኣይሃቡን ድምጺ ኣመሪካ ዘካየዶ ጻዕሪ’ውን ኣይተዓወተን።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ፋብሪካታት ሽኮር ዘመሓድር ናይ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ሆንዲንግስ ዝተባህለ ትካል እቲ ፋብሪካ ነቶም ሰራሕተኛታት ስራሕ ዘቕጽል ዓቕሚ የብሉን ክብል ሓቢሩ’ሎ።
ፈደረሽን ሃገራዊ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ሕርሻን ኣግሮ ኢንዳስትሪን ብወገኑ ኣብ መጻኢ ዕድል ሰራሕተኛታት ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ልዝብ የካይድ ምህላዉ ሓቢሩ’ሎ።
ቅጥዒ