ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጆን ኬሪ ምስ ሰበስልጣን ኬንያ ተዘራሪቦም


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጆን ኬሪ ምስ ሰበስልጣን ኬንያ ብምርኻብ ኣብ ጉዳያት ፀጥታ፣ቁጠባዊ ዕብየትን ቅልውላው ስደተኛታትን ተዘራሪቦም።

ምንስቴር ወፃኢ ጆን ኬሪ ንዝኽሪ ልዕሊ 200 ሰባት ዝቐተለ ናይ 1998 / ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኤምባሲ መጥቓዕቲ ቦምብ ኣብ ዝተሰርሐ መዘከርታ ጉንጉን ዕምበባ ኣቐሚጦም።

ጆን ኬሪ ሰበስልጣን ኬንያን ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባስን ኣብዝተረኸብሉ ‘’ንኣል-ቃይዳ፣ኣል-ሸባብ፣ቦኮ ሓራም፤ዳዒሽን ምስኦም ዝመሳሰሉን ኣሸበርቲ እዋኖም ሓሊፉ እዩ፤መፃኢ ግዜ ናቶም ኣይኮነን’’ ኢሎም።

ጆን ኬሪ ምስ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ በይኖም ተራኺቦም ኣለው።ቀዳማይ ምንስቴር ንዝነበሩ ራይላ ኦዲንጋ ሓዊሱ ንመራሕቲ ቀንዲ ተቓዋሚ እውን ንበይኖም ረኺቦምዎም።

ኬሪ ምስ መራሕቲ ተቓዋሚ ቅድሚ ምርኻቦም ኣብዝሃብዎ ሪኢቶ ኬንያ ብዛዕባ ኣጋጢሞምዋ ዘለው ፈተናታት ክንድዝክኣል ሓበሬታ ክህልወኒ ፂን ኢለ ንምስማዕ እዩ ድልየተይ ኢሎም።

ካብቶም ፈተናታት ሓደ ጉዳይ መዕቖቢ ስደተኛታት እዩ።ኬንያ ኣብ ሰለስተ ካምፕታት ኣስታት 600 ሽሕ ስደተኛታት ተተናግድ ኣላ።

ሓደ ላዕለዋይ ብዓልስ ስልጣን ምንስቴር ወፃኢ ጉዳያት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዝሃብዎ ሓፂር መብርሂ ኬሪ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ሓላፍነቱ ክዋፃእ ምሕታቶም ሓቢሮም።እዚ ዝኸውን ዘሎ ሰበስልጣን ኬንያ ንሱማሊያዊን ኣፅሊሉ ንዝርከብ ሓደ መዕቖቢ ስደተኛታት ክንዓፅዎ ኢና ክብሉ ድሕሪ ምጥንቃቖም እዩ።

XS
SM
MD
LG