ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ኬሪ: ኣመሪካ ጅሆ ከተፍትሕ ገንዘብ ኣይትኸፍልያ ኢሎም።
ኬሪ ነዚ ዘፍለጡ: ኢራን ንዝተጨውዩ ኣርባዕተ ኣሜሪካዊያን ኣብ ዝፈትሓትሉ ዕለት: ምምሕዳር ኦባማ 400 ሚሊዮን ዶላር ብጥረ ገንዘብ ንቴህራን ምስኸፈለት ድሕሪ ዝቐረበ ወቐሳ'ዩ።።
ሰበስልጣን ኣመሪካ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ካብ ኣየር ዝተደርበየ 400 ሚሊዮን ዶላር ንዓሰርተ ዓመታት ብሰንኪ ዝፈሸለ ናይ ኣፅዋር ስምምዕ ንዝጸንሐ ናይ ክፍሊት ምስሕሓብ ንምድቃስ ዝተኻየደ ክፍሊት እዩ ኢሎም።
ናይ ፍሎሪዳ ሰነቴር ማርኮ ሩቡዮ: እቲ ስምምዕ ሓቂ ኣይኮነን ክብሉ ብቲዊተር ገሊፆም።
ኣብ ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ኤድ ሮይስ ብወገኖም: ንመፍትሒ ገንዘብ ምኽፋል ንህይወት ኣሜሪካዊያን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ክብሉ መግለፂ ኣውፂኦም ኣለው ።