ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓሙሻይ ዳግመ ምትእኽካብ 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ከረን ተቓኒዑ


ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ከረን ብኸመይ ክትምዕብልን ክትዕቀብን ትኽእል ኣብ ዝብል ዝዘተየ ሓሙሻይ ዳግመ ምትእኽኻብ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ኣለክዛንደርያ ቨርጂንያ ተቓኒዑ።

ኣወሃሃድቲ​ ዳግመ ምትእኽካብ 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ከረን ዘዳለውዎ ናይ ሰለስተ መዓልታት ርክብ​ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳመ ሰንበት'ዩ​ ተኻይዱ።

Keren 5th Re-Union
Keren 5th Re-Union

ብዛዕባ`ቲ ዳግመ ምትእኽኻብ ንቪኦኤ ዝገለጸ ኣቶ ዮሃንስ ፈርናንዶ ድራር፡ እቲ በዓል ኣብ ከክልተ ዓመት ዝካየድ​ ኮይኑ፡ ሎሚ ዓመት ን5ይ ግዚኡ ይብዓል ከምዘሎ ሓቢሩ​።

"ከረን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኤርትራ መጺኦም ዝምሃሩላን ዝነብሩላን ስለዝኾነት ብቛንቋን መነባብሮን ንሕብረ-ብዝሒ ኤርትራ ክትውክል ትኽእል ከተማ`ያ" ኢሉ ኣቶ ዮውሃንስ ፈርናርዶ ድራር።

ንሱ ብተወሳኺ: ነዚ ሰብኣዊ ሃብቲ`ዚ ናብ ደቅና ንምስግጋርን፡ ነታ ዝተማሃርናላ ቤት-ትምህርቲ ብኸመይ ክንዕቅባን ክነማዕብልና ንኽእል ዝብል ዝጠመተ ምትእኽኻብ`ዩ ነይሩ ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ​ ኣቶ ዮሃንስ ከም`ቲ ከረን ዝሓዘለቶ መልእኽቲ ፡ እቲ ማሕበር ንኹሉ ኤርትራዊ ክፉት`ዩ ድማ ​ ኢሉ።

ሓሙሻይ ዳግመ ምትእኽካብ 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ከረን ተቓኒዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:56 0:00

XS
SM
MD
LG