ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ: ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዳግማይ ተዓዋቲ ኮይኖም


ሓሙስ ጥቅምቲ 26,2017 ዓ.ም ዳግማይ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኬንያ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ ብ98 ሚእታዊት ምዕዋቶም ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ሎሚ ሶኑይ ኣፍሊጡ።

አቦ መንበር ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ዋፉላ ቸቡካቲ ኣብቲ ሓሙስ ዝተኻየደ ምርጫ ካብቶም 19.6 ሚልዮን ከድምጹ ዝተመዝገቡ ዜጋታት 39 ሚእታዊት ጥራይ ድምጾም ምሃቦም ይገልጹ።

መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ራይላ ኦዲንጋ ካብቲ ዳግማይ ምርጫ ምውጽኦም ድሕሪ ምሕባሮም ደገፍቶም እቲ ምርጫ ክስረዙ ጸዊዖም፡ ኣብ ገለ ቦታታት’ውን ተቓወምቲ መምረጺ ኑቕጣታት ከይኽፈቱ ምኽልካሎም ይፍለጥ።

እዚ ጥቅምቲ 26,2017 ዓ.ም ዝተኻየደ ዳግማይ ምርጫ ኬንያ ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ምርጫ ብምስራዙ ዝተኻየደ ኮይኑ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ምርጫ’ውን ፕረዝደንት ኬንያታ ምዕዋቶም ይፍለጥ።

መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ራይላ ኦዲንጋ
መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ራይላ ኦዲንጋ

መራሒ ተቓወምቲ ራይላ ኦዲንጋ “እዚ ዳግማይ ምርጫ ኡሁሩ ምስ ኡሁሩ’ዩ ዝወዳደር ዘሎ” ድሕሪ ምባል “ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ንካልኦት ትካላት እታ ሃገር’ውን የዕንው ኣለው” ክብሉ ከሲሶም።

ኦዲንጋ ብተወሳኺ ኣሜሪካን ካልኦት ዲፕሎማት ምዕራባዊያን ሃገራት “ዘይሓላፍነታዊያን እዮም” ክብሉ ወቒሶም።

ድሕሪ ናይ ሓሙስ ዳግማይ ምርጫ ብዝተላዕለ ግጭት ሸሞንተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ’ሎ።

ብሰንኪ ናይ መሬት መሰልን ፖለቲካን ውጥረትን ጽልኣትን ኣብ መንጎ ደገፍቲ ክልቲኡ ወገናት ንዓመታት ክምዕብል ምጽንሑ’ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG