ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኡሁሩ ኬንያታ ዳግማይ ፕረዚደንት ኬንያ ብምዃን ቃለ መሓላ ፈጺሞም


ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ምርጫ ጊዜን ቀጻሊ ፖለቲካ ውጥረትን ዳግማይ መራሒ’ታ ሃገር ብምዃን ሎሚ ሶሉስ ቃለ መሓላ ፈጺሞም። ብተመሳሳሊ ኣብዚ መዓልቲ ብካልእ ክፋል እታ ከተማ ደገፍቲ መራሒ ተቓወምቲ ራይላ ኦዲንጋ “ናይ ጸሎት ምትእኽካብ” ምክያዶምን፡ ፖሊስ ድማ ንዝተአኸቡ ሰባት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምጥቓሞም ተሓቢሩ’ሎ።

ድሕሪ ክልተ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ተደጋጋሚ ናይ ቤት ፍርዲ ጥርዓናት፡ ቀጻሊ ተቓውሞታትን መዓልታዊ ምዕባለታት ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዳግማይ ፕረዚደንት ኬንያ ብምዃን ቃለ መሓላ ፈጺሞም።

“ሎሚ ንሕልምታት ኩላትኹም ንምዕቃብ፡ ንትልምታት እቶም ድምጾም ንዓይ ዝሃቡን ዘይሃቡን ንምዕቃብ ሓላፍነት ይወስድ። ናይ ኩላትኹም ፕረዚደንት ኽከውን’የ።”

ኡሁሩ ኬንያታ ዳግማይ ፕረዝደንት ኬንያ ብምኳን ቃለ መሓላ ፈጺሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:09 0:00

ድሕሪ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኬንያ ምስራዙ፡ ኣብቲ ጥቅምቲ 26,2017 ዝተኻየደ ካልኣይ ምርጫ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ 98 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ምዕዋቶም ይፍለጥ። መራሒ ተቓወምቲ ራይላ ኦዲንጋ መዓልታት ቅድሚ እቲ ካልኣይ ምርጫ ካብቲ ምርጫ ንገዛእ ርእሶም ምግላሎም’ውን ይዝከር።

ኣብቲ ዳግማይ ምርጫ ኬንያ ድምጾም ክህቡ ካብ ዝተመዝገቡ 39 ሚእታዊት ጥራይ ድምጾም ብምሃቦም ፕረዝደንት ኬንያታ ነዚ መዝነት ይግብኦም ድዩ ኢሎም ሕቶ ዘቕርቡ ወገናት’ውን ኣለው።

ኣብቲ ሎሚ ሶሉስ ኣብ ስታድዮም ካሳራኒ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ ንምእታው ብዝነበረ ጽቕጥቕጥ ብዙሓት ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሖምን ፖሊስ’ውን ነቶም እኩባት ሰባት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምጥቓሞም ተፈሊጡ’ሎ።

ብተመሳሳሊ ነቶም ኣብ እዋን ምርጫ ምስ ፖሊስ ዝተኻየደ ግጭት ዝሞቱ ንምዝካር ዝተአኸቡ ደገፍቲ መራሒ ተቓወምቲ ራይላ ኦዲንጋ ፖሊስ ግጭት ምልዓሉን ክሳብ ሕጂ ብዝተፈልጠ ሓደ ሰብ ምሟቱ ተገሊጹ’ሎ።

መራሒ ተቓወምቲ ራይላ ኦዲንጋ ንደገፍቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ተቓወምቲ ናቶም ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከምዘኻይዱ ገሊጾም።

ንቃለ መሓላ ፕረዝደንት ኬንያታ ብምቅዋም ዝተኻየደ ሰልፊን መደረ መራሒ ተቓወምቲ ራይላ ኦዲንጋ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:49 0:00

ኣብቲ ሎሚ ሶሉስ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ መራሕቲ ሩዋንዳ፡ኡጋንዳ፡ቦስትዋና፡ዛምብያ፡ኢትዮጵያ፡ሶማል፡ደቡብ ሱዳን፡ጋቦን፡ጅቡቲን ናምቢያን ተረኺቦም ምንባሮም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብቲ ጥቅምቲ,26 ዝተኻየደ ዳግማይ ምርጫ 98 ሚእታዊት ድምጺ ብምርኻብ ዝተዓወቲ ኽኮኑ ከለው ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ድማ ካብ ተቓወምቲ ዝቐርብ ዝነበረ ተቓውሞታትን ክስታት ምጭብርባር ምርጫ ብምንጻግ ንውጽኢት ምርጫ ዝሓለፈ ሰሙን ምርግጋጹ ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኡሁሩ ኬንያታ ዳግማይ ፕረዚደንት ኬንያ ብምዃን ቃለ መሓላ ፈጺሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:25 0:00

XS
SM
MD
LG