ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ተቓውሞ ዝተኻየደሉ ከባቢ ከተማ ናይሮቢ ንዘጋጠመ ጉድኣት ይድህስሱ


ነበርቲ እቲ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ጎነጻዊ ተቓውሞ ዝተኻየደሉ ከባቢታት ንዝወረደ ጉድኣት ይድህስሱ።

ደገፍቲ መራሒ ተቃወምቲ ራይላ ኦዲንጋ ብሰኑይ 27 መጋቢት 2023 ኣንጻር መንግስቲ ናህሪ ዋጋ መግቢን ኣብ ዝካይድዎ ዘለዉ ካልኣይ ሰሙኑ ዝሓዘ ተቃውሞ ኣእማን ይደርብዩ ከምዝነበሩን ፖሊስ'ዉን ንምብታኖም ዘንብዕ ጋዝን ማይን ከምዝተጠቅሙ ይፍለጥ።

ቅድሚ ትማሊ ሰኑይ ለይቲ ኣብ ክብራ ዝተባህለ ከባቢ ዝነበሩ ሓያለ ኣብያተ ንግዲን ሓደ ቤተ ክርስትያንን ብዘይተፈልጡ ኣጥቃዕቲ ብሓዊ ዝነደደ ክኸውን ከሎ ሓደ መስጊድመስግዲ ኸኣ ጉድኣት ወሪድዎ'ሎ። መንግስቲን ተቃወምቲን ንሓድሕዶም በቲ ዝወረደ ጉድኣት ይካሰሱ ኣለው።

መራሕቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ እምነትን ጉጅለታትን ኣብ ቀጽሪ እቲ ብሓዊ ዝነደደ ቤተ ክርስትያን ተራኺቦም'ለዉ። ኣብ ኣምስቲ ኢንተርናሽናል ዳሬረክተር ጉዳይ ኬንያ ኣይሩንግ ሁግቶን ኹሉ ሃይማኖታትን ነገዳትን በቲ ናይ ሰኑይ ለይቲ ህውከት ተተንኪፉ እዩ።ኬንያውያን ፖለቲከኛታትን ገበነኛታትን ከይብለጽሎም ክጥንቀቁ ጸዊዖም።

መራሒ ተቃወምቲ ራይላ ኦዲንጋ ንናህሪ ዋጋ መግቢ ንፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ክኸሱ ኸለዉ እቶም ፕረዚደንት ኸኣ ህውከት ብምልዕዓል ነቶም መራሒ ተቃወምቲ ይኸስዎም።

ብመሰረት ኣለያንስ ኬንያ ዝተባህለ ናይ ውልቀ ትካል እቲ ተቃውሞ ሰልፍታት ነታ ሃገር በብመዓልቱ ካብ 22-78 ሚልዮን ዶላር የኽስራ'ሎ ይብል።

XS
SM
MD
LG