ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያዊያን ሰራሕተኛታት ሽሕ'ኳ ስግኣት ድሕነትን መሰለን እንተሎ ዕድላት ስራሕ ኣብ ወጻኢ ሃገራት የናድዩ


ኬንያዊያን ሰራሕተኛታት ሽሕ'ኳ ስግኣት ድሕነትን መሰለን እንተሎ ዕድላት ስራሕ ኣብ ወጻኢ ሃገራት የናድዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:40 0:00

ኬንያዊያን ሰራሕተኛታት ሽሕ'ኳ ስግኣት ድሕነትን መሰለን እንተሎ ዕድላት ስራሕ ኣብ ወጻኢ ሃገራት የናድዩ

መንግስቲ ኬንያ ምስ ካናዳ:ጀርመን: ኣመሪካን ሃገራት ወሽመጥን ዝበላ ሃገራት ኣብ ስምምዕ ሰራሕተኛ ይኣቱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። እቲ ስምምዕ፡ ኬንያውያን ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም ክሰርሑ ዕድል ዝኸፍት`ዩ። እንተኾነ ተሓለቕቲ፡ ብፍላይ እቲ ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዝግበር ውዕል፡ ነቶም ኬንያውያን ንምዝመዛን በደልን ከቃልዖም ይኽእል`ዩ ዝብል ስኽፍታ ኣለዎም።

ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ስራሕ ክረኽቡ ዘይክኣሉ 750-ሽሕ ዜጋታት ኣብ ደገ ስራሕ ክረኽቡ ኬንያ ተስፋ ትገብር። መንግስቲ እንተወሓደ ምስ 10-ሃገራት ስምምዕ ስራሕ ክፈራረም ዓሊሙ`ሎ።

ሓላፊ ሚንስትሪ ዕዮ ኬንያ ጀፍሪ ከይቱኩ፡“ሰባት ብቀጻሊ ይግዕዙ ኣለዉ። በዚ ምኽንያት መንግስቲ ኬንያ ንዕዮ ማይግረሽን ቀዳምነት ስለዝሃበ፡ ምስ ገለ ሃገራት ውዕል ስራሕ ተፈራሪምና ኣለና። ከምኡ`ውን ውዕል ሰራሕተኛታት ምስ ዘለወን ካልኦት ሃገራት፡ ስምምዕ ንምፍርራም ሓሳብ ኣቕሪብና ኣለና።"

ሰሲልያ ዋንጂኩ ነቶም ኣብ ዞባ ወሽመጥ ፋርስ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዘለዉ 170- ሽሕ ኬንያውያን ትጽንበሮም ኣላ። ብመሰረት ሓበሬታ መንግስቲ ፍርቆም ኣብ ስራሕ ገዛ ዝሰርሑ`ዮም። ሰሲልያ`ውን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ስራሕ ገዛ ንምስራሕ ካብ ኬንያ ትብገስ ዘላ`ያ።

"ኣብ ኬንያ ጽቡቕ ስራሕ ክረክብ ስለዘይከኣልኩ ናብ ስዑዲ ክኸይድ ወሲነ። ካብ ሃገረይ ኣዝየ ርሒቐ ዝኸይድ `ኳ እንተኾንኩ፡ ድሓን እቶት ዘለዎ ስራሕ ሒዘ ንድልየተይን ስድራቤተይን ክሕግዝ ተስፋ እገብር" ትብል።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2022 ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ኬንያውያን ኣስታት 4-ቢልየን ዶላር ናብታ ሃገር ኣታዊ ኮይኑ`ዩ። ሕጂ መንግስቲ በቲ ሓዲሽ ውዕላት ዕዮ ተጠቒሙ ነቲ ኣታዊ ብሰለስተ ዕጽፊ ከዛይዶ ይሕልን።

እንተኾነ፡ እዚ ብዓቕሊ ጽበት ዝግበር ሃድን ስራሕ ንኬንያውያን ተጓዓዝቲ ንምዝመዛን በደልን የቃልዖም ከም ዘሎ ተሓለቕቲ ሰራሕተኛታት ይገልጹ። ኣብ 2021 ጥራሕ፡ 41 ኬንያውያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ እናሰርሑ ከለዉ ከምዝሞቱ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ኣመልኪቱ`ሎ። ገለ ተሓለቕቲ ከም ዝብልዎ ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ኤጀንሲታት ምልመላ ስራሕ፡ ንምዝመዛን በደልን ሰራሕተኛታት ከይቃልዑ ኣብ ምክልኻል እኹል ስራሕ ይሰርሑ የለዉን።

ኣብ ናይሮቢ ኤጀንሲ ምልመላ ሰራሕተኛ ዘለዋ ፒስ ማቲው፡ ብዙሓት ናብ ወጻኢ ካብ ዝሰደደተን መንእሰያት ደቀንስትዮ ምስ ኣስራሕተን ኣብ ጸገም ከምዝወደቓ ትገልጽ፡"ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ን26 ኣዋልድ ተማጕተለን፡ 10 ናብ ሃገረን ከምዝምለሳ ጌረ፡ 16 ድማ ኣስራሕቲ ከምዝቕይራ ጌረ። ከምኡ ብምግባረይ ግን ኣነ`ውን ተጎዲአ`የ።”

ንሳ ኣተሓሒዛ ከምኡ ብምግባራ፡ ትካላት ስዑድያ ነቲ መንእሰያት ኬንያ ንስራሕ ትምልምለሉ ዝነበረት ስርዓተ-ኢንተርነት ከምዝዓጸውላ ትገልጽ።

ፈይዝ ሺሚላ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንሓደ ዓመትን ፈረቓን ድሕሪ ምስራሕ ኣብ 2021 በሰላ ሒዛ ከም ዝተመልሰት ትገልጽ። ነቲ ሕማቕ ኩነታት ስራሕን በደልን ዝበለቶ ድማ ብኸምዚ ትገልጾ።

“18-19 ሰዓታት ይሰርሕ ኔረ። ሕክምና የለ፡ ናይ ዕረፍቲ ስዓት የለን። መግቢ ተረፎም`ዮም ዝበልዕ። ኣብ ሕማቕ ቦታ ይድቅስ። ኩሉ ግዜ ድማ ጾታዊ ዓመጽ ይፍጸመኒ ኔሩ። ኣብ ስዑድያ ክንደይ ግዜ ከምዝተዓመጽኩ ክቖጽሮ ኣይክእልን`የ። ግን በቶም ኣስራሕተይ ብዙሕ ግዜ ይዕመጽ ኔረ።"

ሕጂ ንሳን ካልኦት 12 ዝኾናን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኬንያ ብግቡእ ሓለዋ ኣይገበረልናን ዝብል ክሲ መስሪተን ኣለዋ። ጆን ምዋሪሪ ንሺሚላን ካልኦት 12 ደቀንስትዮን ወኪሉ ዝማጎት ዘሎ ጠበቓ`ዩ። መንግስቲ ኣይሓገዘንን ይብል።

“ እዘን ግዳያት እዚኣተን፡ በደል ክፈጸመን ከሎ ናብ መንግስቲ`የን ዝጠርዓ።ክሕገዛ ይደልያ፡ግን መንግስቲ ሓገዝ ኮነ ዝሕገዛሉ መንገዲ ኣይህበንን።"

እቲ ጠበቓ ምስ ኪቱዎ ቻ ሸሪያ ዝተባህለ ማእከል ጥብቅና ሕጊ ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ኬንያውያን መሰላተንን ድሕነተንን ውሕስነት ክሳብ ዝረኽባ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ከይኸዳ ቤት ፍርዲ ክእግድ ይሓትት ኣሎ።

መንግስቲ ኬንያ ብወገኑ፡ ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዝግበር ክልቲኣዊ ስምምዓት፡ ንሰራሕተኛታት ካብ በደል ዝከላኸል ዕድል ዝህብ`ዩ ይብል፡ ነቐፍቲ ግን ጥርጣረኦም ይቕጽል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG