ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ኬንያ ኣል-ሸባብ ከቢድ ዋጋ ክከፍል'ዩ ኢሎም


ፋይል
ፋይል

ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ደቡባዊ ሶማል ንዓሰርተታት ወታደራት ዝቐተለ መጥቓዕቲ ኣል-ሸባብ ፕረዝደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ እቲ እስላማዊ ኣኽራሪ ጉጅለ ከቢድ ዋጋ ክኸፍል እዩ ኢሎም።

ሎሚ ሶሉስ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝተመሓላለፈ ፈነወ መደረ እቶም ፕረዝደንት ኬንያ ኣይክትደንን እያ ኢሎም።

ብባንዴራ ኬንያ ዝተጠቕለሉ ኣርባዕተ ሳንዱቕ ሬሳ ወታሃደራት ትማሊ ሶኑይ ኣብ ናይሮቢ ምእታው'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ኣል-ሸባብ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ሶማል ኤል-ኣደ ንዝርከብ መደብር ሕብረት ኣፍሪካ ብምጥቓዕ ንኣስታት 100 ወታደራት ኬንያ ቐቲለ ኣለኹ ኢሉ’ሎ።ብነጻ ወገን ግን ኣይተረጋገጸን።ሰበስልጣን ኬንያ'ውን ብዝሒ ዝሞቱ ወታደራት ኣየፍለጠን።

XS
SM
MD
LG