ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ሩስያ ኣብ ኬንያን ብሩንዲን ምብጻሕ የካይዱ


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ናይሮቢ ኣቀዲሙ ዘይተነግረ ምብጻሕ ብምግባር ምስ ሰበ ስልጣን ኬንያ ተረኺቦም:ተዘራሪቦም። እዚ ኣካል እቲ ሩስያን ዩክሬንን ደገፍ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምሕያል ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕሪ እዩ።

ላቭሮቭ ነታ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ከም ሓያል ሃገር ትርአ ኬንያ ዝበጽሑ ዘለዉ ኣብ ጽባሕ'ቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን ዲመትሮ ኩለባ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ኣህጉር ዝገበርዎ ዑደት እዩ።

ብመሰረት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ላቭሮቭ ምስ ኣባላት ፓርላማ ኬንያ ኣብ ምትሕብባራት ንግዲ:ወፍሪ: ቁጠባ: ሰብኣዊ ሓገዛት: ባህልን ትምህርትን ከምኡ እውን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ምትሕብባርን ዝብል ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ሓቢሩ'ሎ።

እዚ ዑደት ኣቀዲሙ ኣይተነግረን ካብ ሰበ-ስልጣን ኬንያ እውን ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን። ሓያላት ሃገራት ዓለም ኣብታ 1.3 ቢልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኣህጉር ጽልወኦም ንምሕዳር ኣብ ዝጓየያሉ ዘለዋ ሕጂ እዋን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ላቭሮቭ ሓያለ ግዜ ናብ ኣፍሪቃ በጺሖም'ለዉ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሩስያ ካብ ዩክሬን ንኽትወጽእ ዝጽውዕ ውሳነ ምሃብ ድምጺ ኣብ ዝተገብረሉ ሃገራት ኣፍሪቃ ድምጸ ተዓቅቦ ገይረን ገለ'ውን ኣንጻር ቲ ውሳነ ድምጸን ምሃበን ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG