ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ሩቶ ንሰብኣዊ ቅልውላው ሱዳን ዝምልከት ኣኼባ ጸዊዖም


ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ - ፋይል
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ - ፋይል

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ሱዳን ዝወሃብ ምላሽ ብዝምልከት ንምዝርራብ ትማሊ ሰኑይ ኣኼባ ጸዊዖም።

ፕረዚደንት ሩቶ "እቲ ተኣፋፊ ዝኾነ ምቁራጽ ተጻብኦ ሱዳን ጸንዐ/ኣይጸንዓ ንህዝቢ ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝበጽሓሉ መንገዲ ምንዳይ ኣድላይ እዩ" ክብሉ ኣብቲ ኣኼባ ኣትሪሮም ተዛሪቦም'ለዉ።

ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝተሳተፉ ሓደ ሓላፊ ናይ ሕቡራት ሃገራት አተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ህጹጽ ረድኤት ማርቲን ግሪፍክስ ይርከብዎም።

ተዋጋእቲ ጀነራላት ሱዳን ኣብ ስዕዲ ዓረብ ክኻየድ ንዝተመደበ ልዝብ ንምስታፍ ወከልቶም ንምልኣኽ ምስምምዖም ኣብታ ሃገር ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም'ለዉ። ይኹን ደኣ እምበር እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ንሰለስተ መዓልታት እንተተናወሐ'ዃ ኣብ ኻርቱም ግን ኲናት ቀጺሉ'ሎ።

ብመሰረት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ካብቲ 46-ሚልዮን ህዝቢ ሱዳን ቅድሚ እቲ ኲናት እዉን ኣብ ዓለምለኸ ሰብኣዊ ረድኤት ዝምርኮስ እዩ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG