ዋሽንግተን —
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኬንያውያን ደቀንስትዮ ኣብታ ሃገር ይካየድ ኣሎ ንዝበልኦ መቕተልቲ ደቀንስትዮ ደው ንኽብል ጻውዒተን ኣብ ዘቕርባሉ እዋን፡ ብሓይሊ ፖሊስ ብዘንብዕ ጋዝን ካልእ ማእሰርቲን ብፖሊስ ከም ዝተበተና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ፖሊስ ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ካልእ ኣገባብን ተጠቒሙ ደጋጊሙ ድሕሪ ምፍታን፡ መሊሰን ዝተኣኻኸባ ናይ ናይሮቢ ተሰለፍቲ፡ ፖሊስ ብውሑዱ ንሰለስተ ከም ዝኣሰረ እቲ ዜና ይገልጽ። ካብ መንጎ’ተን ዝተኣስራ ተሰለፍቲ ዳይረክተር ተሓላቒ ትካል ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ጨንፈር ኬንያ ትርከበን።
ተመሳሳሊ ሰለማዊ ሰልፍታት’ውን ኣብ ሞምባሳን ሎድዋርን ሎሚሰሉስ ተኻዪዱ ነይሩ።
ኣብ ቤት፡ ብመጻምድቲ ዝግበር ቅትለት ኣብ ኬንያ ኣዝዩ ግኑን ተራእዮ ምዃኑ ዘመልከተ ሮይተርስ፡ ኣብ መንጎ ወርሓት ነሓሰን ጥቅምቲን ጥራይ፡ 97 ኬንያውያን ደቀንስትዮ ብመጻምድተን ወይ ናይ ቀረባ ሰብ ከም ዝተቐትላ መዛግብቲ ፖሊስ እታ ሃገር ይሕብሩ።
ቅጥዒ