ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያዊያን ኣመንቲ ምስልምና ንክርስትያን ደቂ ሃገሮም ካብ ሞት ተኸላኺሎም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኬንያ፣ ኣል-ሸባብ ንክርስትያን ፈልዩ ንምቅታል ዝነበሮ ውጥን፣ ሰዓብቲ እስልምና ኣይፋልናን ስለዝበሎ ከምዝፈሸሎ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ። እንተኾነ ግን በቲ ክስተት 2 ሰባት ሞይቶም 5 ድማ ቆሲሎም።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ዝጠቀሰ ጋዜጣ ዘ-ዴይልይ ኔሽን ‘ዕጡቃት ኣል-ሸባብ ካብ ማንዴራ ናብ ናይሮቢ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ኣውቶብስ ካብ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ንክርስትያናት ፈልዮም ንምቅታል፣ ኣቱም ኣስላም ዝኾንኩም ፈንተት በሉ ኣብ ዝበልሉ እዋን፣ ትቀትሉ እንተኾይንኩም ንኩላትና ብሓባር ቅተሉና ኣይንፍለይን ብምባል ንክርስትያናት ጽላል ኮይኖምዎም’ ይብል።

ብግብሪ’ቶም ኣመንቲ እስልምና ዘይተሓጎሱ ዕጡቃት ኣል-ሸባብ ካብ’ቲ ከባቢ ከይደንጎዩ ከምዝተሰወሩ’ውን ዝረኸብናዮ ዜና ገሊጹ።

ኣማሓዳሪ’ቲ ከባቢ ዓብዱራሕማን ሮባው ነቲ ተግባር'ቶም ኣመንቲ እስልምና ዝናኣዱ ክኾኑ ከለው፣ ሚኒስትር ውሽጢ ሃገር ኬንያ ጆሴፍ እንካስራይ ድማ፣ ኬንያ ኩሎም ሰዓብቲ ሃይማኖት ብናጽነት ዝነብሩላ ሃገር’ያ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG