ዋሽንግተን —
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ዝጠቀሰ ጋዜጣ ዘ-ዴይልይ ኔሽን ‘ዕጡቃት ኣል-ሸባብ ካብ ማንዴራ ናብ ናይሮቢ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ኣውቶብስ ካብ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ንክርስትያናት ፈልዮም ንምቅታል፣ ኣቱም ኣስላም ዝኾንኩም ፈንተት በሉ ኣብ ዝበልሉ እዋን፣ ትቀትሉ እንተኾይንኩም ንኩላትና ብሓባር ቅተሉና ኣይንፍለይን ብምባል ንክርስትያናት ጽላል ኮይኖምዎም’ ይብል።
ብግብሪ’ቶም ኣመንቲ እስልምና ዘይተሓጎሱ ዕጡቃት ኣል-ሸባብ ካብ’ቲ ከባቢ ከይደንጎዩ ከምዝተሰወሩ’ውን ዝረኸብናዮ ዜና ገሊጹ።
ኣማሓዳሪ’ቲ ከባቢ ዓብዱራሕማን ሮባው ነቲ ተግባር'ቶም ኣመንቲ እስልምና ዝናኣዱ ክኾኑ ከለው፣ ሚኒስትር ውሽጢ ሃገር ኬንያ ጆሴፍ እንካስራይ ድማ፣ ኬንያ ኩሎም ሰዓብቲ ሃይማኖት ብናጽነት ዝነብሩላ ሃገር’ያ ኢሎም።