ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝሓሸ ክፍሊት ዝጠልቡ ኬንያዊያን ሓካይም ኣድማ ወጺኦም


ዝሓሸ ክፍሊት ዝጠልቡ ኬንያዊያን ሓካይም ብደረጃ ሃገር የካይዱዎ ዘሎ ኣድማ ትማሊ ሓሙስ ሻብዓይ መዓልቱ ኣቑፂሩ ኣሎ። መራሕቲ ማሕበራት ሓካይም፣ ፋርማሲስትን ሓካይም ስኒን ኬንያ መንግስቲ ን100 መዓልታት ዝጸንሐንን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ብሕጽረት ክንክን ሕክምና ክሞቱ ድሕሪ ዝገበረን ኣድማ: መንግስቲ ኣብ 2017 ዝኣተዎ ስምምዕ ክፍፅም ይሓቱ ኣለው።

መራሕቲ ናይቶም ማሕበር ሰራሕተኛታት ሕሙማት ክሳቐዩ ዕላምኦም ከምዘይኮነ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም። እንተኾነ ግን ተፅዕኖታት ኣድምኦም ንምርኣይ ኣብ ህዝባዊ ሆስፒታላት ይህቡዎ ዝነበሩ ናይ ህፁፅ ሕክምና ስራሕ ጠጠው ከምዘበሉዎ ገሊፆም።

ሓደ ካብ ሕቶታቶም ንሓካይምን ን1,200 ተለማመድቲ ተማህሮ ሕክምናን ምሉእ ሸፈነ ሕክምና ክረኽቡ ዝብል ይርከቦ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG