ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባንኪ ዓለም ንግዳያት ድርቂ ንምሕጋዝ ዝርዝር መደባቱ ዕላዊ ገይሩ


እቲ ዝዓበየ ገንዘብ ባንኪ ዓለም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን ንዝትግበሩ ስራሕቲ ክውዕል እዩ።

ባንኪ ዓለም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዝርከቡ ግዳያት ድርቂ ንምሕጋዝ ዝርዝር መደባት ሎማዕንቲ ዓርቢ ዕላዊ ገይሩ።እቲ ዝዓበየ ፃዕሪ ኣብ ሱማሊያ ከይኮነስ ኣብ ኢትዮጵያን ኬንያን ከምዝኾነ ተፈአሊጡ’ሎ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ማለት እውን ናይ ኤርትራ፡ኬንያ፡ሩዋንዳን ሱማሊያን ዳይረክተር ባንኪ ዓለም ጆሃንስ ዛት ከምዝገለፅዎ ንቶም ኣብ ሱማሊያ፡ኢትዮጵያን ኬንያን ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ሰባት ዝውዕል ልዕሊ 600 ሚሊዮን ዶላር ቀሪቡ’ሎ።

ካብዚ ትሽዓተ ሚሊዮን ዶላር ጥራሕ ነታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብድርቂ ኣዕሪያ ንዝተጠቕዐት ሃገር ሱማሊያ ንሓደጋ ረድኤት ዝውዕል እዩ ክኸውን።

እቲ ሽግር ምስኣን መእተዊ መንገዲ እዩ ዝበሉ ዛት’’ኣብ ሱማሊያ ዘሎ ተዃሳሓይንት ንሰብኣዊ ትካላትን መሻርኽቲ ልምዓትን ምንቅስቓሶም ክውሰን ስለዝገበሮ ነቲ ኩነታት ምላሽ ንምሃብ ኣሸጋሪ ገይርዎ’ሎ’’ኢሎም።

እቲ ዝዓበየ ገንዘብ ባንኪ ዓለም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን ንዝትግበሩ ስራሕቲ ክውዕል እዩ።

ባንኪ ዓለም ምስ ካልኦት ለገስቲ ብምዃን ኣብ ኢትዮጵያ ነዊሕ ታሪኽ ኣለዎ።ኣብታ ሃገር 7.5 ሚሊዮን ህዝቢ ዝሓቖፈ ሰፍት ኔት ተባሂሉ ንዝፅዋዕ ፕሮጀክት ዝውዕል 850 ሚሊዮን ዶላር ሓጊዙ’ሎ።

ዛት እቲ ባንኪ ኣብ ኬንያ ሓዊሱ ተመሳሳሊ ፕሮጀክት ዝውዕል ተወሳኺ ገንዘብ ይምድብ ኣሎ ኢሎም።እቲ ፕሮጀክት በቲ ድርቂ ንዝትጠቕዑ ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ሰባት ዘለዎም ትሑት ኣታዊ ንምድጋፍ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።

ካብቲ ንህፁፅ ሓገዝ ዝተመደበ ገንዘብ 267 ሚሊዮን ዶላር ኣብዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ንዝፍፀሙ ስራሕቲ ሕውየት ቁጠባ ዝውዕል እዩ።330 ሚሊዮን ዶላር ድማ ኣብ ፕሮጀክትታት ሕርሻን ማይን ዝምወል ሓዊሱ ንመደባት ዳግመ ሕውየት ድርቂ ዝውዕል እዩ።

ናይ ባንኪ ዓለም ንፁር መልእኽቲ ድርቂ መናብርቲ ምብራቕ ኣፍሪካ ኮይኑ ክቕፅል እዩ ዝብል እዩ።ለውጢ ኩነታት ኣየር ነቲ ድርቂ ከቢድ እናገበሮ ይርከብ ዝበሉ ዛት ‘’ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተታት ዓመታት መጠን ሙቐት ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ሓደ ካሳብ ሰለስተን ፈርቓን ዲግሪ ሴንቲግሬድ ከምዝውስኽ ኩሎም ናይ ኩነታት ኣየር ሞዴላት ወይም መርኣያታት ይሰማምዑ።’’ኢሎም።

ካብ 2010 ኣ/ፈ ጀሚሩ ምኽባር ዋጋ ምግቢ 44 ሚሊዮን ሰባት ናብ ድኽነት ኣእትዩዎ’ሎ።ካሊእ 10 ሚእታዊ ወሰኽ ዋጋ እውን ንኻልኦት 10 ሚሊዮን ሰባት ክትንክፍ እዩ ይብል ባንኪ ዓለም።

XS
SM
MD
LG