ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኬንያ ኣድማ ዘካይዱ ዘለው መምህራን ደሞዝ ምውሳኽ ካብ ዓቕሚ ቁጠባ እታ ሃገር ንላዕሊ እዩ ኢሉ


መንግስቲ ኬንያ ደሞዝ ይወሰኸልና ክብሉ ብምሕታት ኣድማ የካይዱ ንዘለው ምምህራን ተወሳኺ ንምኽፋል ካብ ዓቕሚ እታ ሃገር ንላዕሊ እዩ ኢሉ።

ሓደ ኣባል ፓርላማ ድማ ኩሎም መሳርሕቱ ኣባላት ፓርላማን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ደምወዞም ብ50 ሚእታዊ ክንኪ ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለው።

ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ዝሓለፈ ሰንበት ንሃገሮም ኣብዘስምዕዎ መደረ መንግስቶም ካብ ኣታዊኡ 52 ሚእታዊ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝኸፍል ሓቢሮም።

መንግስቲ ሰፍ ዘይብል ወጻኢ እናሃለዎ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ንዝኣደሙ መምህራን 50፣60 ሚእታዊ ወሰኽ ደሞዝ ክረኽቡ ዝሃቦ ውሳነ ንቁጠባ ኬንያ ኣብ ዘይምርግጋእ ዘውድቕ እዩ ኢሎም።

ተቓዋሚ ኣባል ፓርላማ ዝኾኑ ኣባቡ ናምዋምባ ኣባላት ፓርላማን ዳያኑን ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሰራሕተኛ መንግስቲ ደሞዞም ብ50 ሚእታዊ ክንከ ነቲ ፓርላማ ኣጀንዳ ኣቕሪቦም ኣለው።

ኣባላት ፓርላማ ኬንያ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ደመወዝ ካብ ዝኸፍሎም ኣባላት ፓርላማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ምዃኖም ብምሕባር ቁጠባ ሃገርና ካብ ዝጾሮ ንላዕሊ ኢና ንኽፈል ዘለና ኢሎም።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ኬንያ ካልኦት ረብሓታትን ኣበልን ሓዊሱ ኣብ ወርሒ 11 ሽሕ ዶልር ይኽፈሎም።

XS
SM
MD
LG