ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምርጫ ኬንያ ብዝሒ ናይ ውልቒ ተወዳደርቲ ምውሳኹ ተሓቢሩ


ፋይል
ፋይል

ኬንያዊያን ዝቕፅል 8 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ካብ ፕሬዝዳንት እታ ሃገር ክሳብ ከባቢያዊ መራሕቶም ንምምራፅ ድምጾም ክህቡ እዮም።ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ፍሉይ ዝበለ ነገር ኣሎ።ብዝሒ ብውልቆም ዝወዳደሩ ወሲኹ’ሎ።ብኮሚሽን ምርጫ ንክወዳደሩ ፍቓድ ካብ ዝተወሃቦም ልዕሊ 15 ሽሕ ሰባት ርብዒ ንፓርቲ ዘይኮነስ ብውልቆም ዝወደዳሩ እዮም።

ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ምርጫ ንኣማሓዳርነት ከተማ ናይሮቢ ይካየድ ዘሎ ውድድር ኣዚዩ ውዑይ እዩ።

ፒተር ከኔት ንናይሮቢ ይወዳደሩ ካብ ዘለው ሓሙሽተ ተወዳደርቲ ሓደ እዩ።ኬኔት ሓዊሱ ሰለስቲኦም ብውልቂ ዝወዳደሩ እዮም።

ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ኬንያ ኣብ 2010 ኦኣ.ም ብውልቂ ክወዳደሩ ንዝደልዩ ሰባት ካብ ዝፈቅድ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ንኻልኣይ ግዜ ይኻየድ ኣሎ።ከም ኦካት ኦባዶ ዝኣመሰሉ ኣድመፅቲ ነቲ ኣማራፂ ብፅቡቕ ይቕበሉዎም።

“ ናይ ፓርቲ ጉዳይ ኣይኮነን።ጉዳየይ ክፈትሐለይ ዝኽእል ፓርቲ ኣይኮነን፤ንኩነታት መናእሰይ ርእዩ መሪሕነት ዝህብ፣ንከባቢያዊ ሓለዋ፣ንትምህርትን ንፀጥታን ክቃለስ ዝኽእል መራሒ እየ ዝደሊ እዩ” ይብሉ።

ገዛእቲ ፓርቲ ጥምረት ጁብሊን ተቓዋሚ ሃገራዊ ፓርቲ ሱፐር ምትሕብባርን ነቲ ፓለቲካዊ ባይታ ተቖፃፂሮምዎ ይርከቡ።ተንተንቲ ብብዝሒ ናይ ውልቂ ተወዳደርቲ ምውሳኹ ንናይ ኬንያ ፖለቲካዊ ባይታ ዝቕይር ኣይኮነን ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ምርጫ ኬንያ ብዝሒ ናይ ውልቒ ተወዳደርቲ ምውሳኹ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:35 0:00


XS
SM
MD
LG