ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኬንያ ብሁማን ራይት ዋች ተወቊሱ


ፖሊስ ኬንያ፣ንሶማልያውያን ዘርኢ ዘለዎም ሰባት፣ከምዝገርፍን ከምዘንከላብትን ሁማን ራይት ዋች ኣፍሊጡ።

ሓይሊ ፀጥታ ኬንያ፣ብሕልፊ ካብ‘ቶም ምስ ኣል-ሸባብ ይድግፉ‘ዮም ዝባሃሉ ነበርቲ ሰሜን ኬንያ፣ከቢድ ነቀፋ ይወርዶ‘ሎ።

እቲ ሎሚ ዝተሓትመ ሪፖርት ሁማን ራይት ዋች፣ፖሊስ ኬንያ ኣብ መስከረምን ጥቅምትን ጥራሕ፣ብቦምብ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙና‘ዩ ስለዝበለ ኣብ ከተማታት ጋሪሳን ማንዴራን ሰለስተ ጊዜ ንህዝቢ ከምዘጥቀዐ ይሕብር።

ፖሊስ ኬንያ፣ከየፃረየን ብልማሚትን ከምዘጥቅዕ ዝሕብር ሪፖርት ሁማን ራይት ዋች፣እቲ ዳሕረዋይ ንክልተ ሰዓት ዝዘለቀ ስርሒት ፖሊስ፣ ንሰላማዊያን ሰባት ከምዝሃሰየ ይሕብር።ሚስተር ኦትየኖ ናዋያ፣

”ከምልዕልና ሕጊ፣ምኽባር መሰል ሰባትን ንሕጋዊ መስርሕ ምስዓብን ዝብሉ መሰረታዊ ቁምነገራት‘ዮም ንዛረበሎም ዘለና።እቲ ቦምብ መን ከምዘንተጎ ከየፃረኻ፣ከመይ ገይርካ ኢኻ ንህዝቢ ተጥቅዕ።ድሕሪ ዝወሰድዎ መጥቃዕቲ እውን እንተኾነ፣እቲ ስጉምቲ ቅኑዕ‘ዶ ነይሩ? ንዝብል ንምምላስ ኣይፈተኑን” ይብሉ ንሶም።

ኬንያ ኣብ ውግእ ፀረ ኣል-ሸባብ ክትዋጋእ ናብ ሶማልያ ካብ ዝኣተወትሉ ንዳሓር፣ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ብተደጋጋሚ ኣጓኒፍዋ‘ሎ።

መንግስቲ ኬንያ፣ኣብ ዞባታት እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ዝነብር ህዝቢ፣ ጥርጡር‘ዩ ኢሉ ክድምድም የብሉን ይብል ሁማን ራይት ዋች።

ሚስተር ናምዋያ ብወገኑ፣ንዝድፀም መጥቃዕቲ ቦምብ መን ከምዝፈፀሞ ፖሊስ ኣቀዲሙ ከፃርይ‘ዩ ዝግባእ ይብል።

ወሃቢ-ቃል ፖሊስ ኬንያ ሚስተር ኤሪክ ኪርያቲ ግና፣ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ንዝቀርብ ዘሎ ውግዘት ይነፅጎ፣”ፖሊስ ኣብ ጭብጥታትን መርተዖታን እምበር፣ኣብ ሪኢቶን ስምዒትን ተመርኲሱ ኣይኮነን ዝሰርሕ።ብሓፈሽኡ መኮንናትና ግቡእ ስልጠና ዝረኸቡን፣ንሰብኣዊ መሰላት ዘኽብሩን‘ዮም”ኢሉ።

መንግስቲ ኬንያ፣ኣንፃር ሓይልታቱ ንዝላዓል ክሲ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ከፃርዮ‘የ ኢሉ ደጋጊሙ ገሊፁ‘ዩ።እንተኾነ ዛጊድ ዝተወስደ ስጉምቲ የለን ይብል ሁማን ራይት ዋች።
XS
SM
MD
LG