ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

" ኬንያውያን መዓስከር ስደተኛታት ክዕጾን ሃገሮም ድማ ሰራዊታ ካብ ሶማል ከተውጽእን ይደልዩ" መጽናዕታዊ ወርቐት


ሓደ ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ህዝባዊ መዐቀኒ ርእይቶ: ክልተ ሲሶ ካብ ህዝቢ ኬንያ ደደዓብ ተባሂሉ ንዝፍለጥ ኣስታት 300 ሽሕ ዝበዝሑ ካብ ሶማል ዝርከብዎ መዓስከር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክዕጾ ከምዝድግፉን ኬንያ ሰራዊታ ካብ ሶማል ክትስሕብ ከምዝደልዩን ሓቢሩ።

እዚ ዝተሓበረ IPSOS ብዝተባህለ ዝተኻየደ መጽናዕቲ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ እዩ።

መንግስቲ ኬንያ ካብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ኣትሒዙ ነቲ መዓስከር ስደተኛታት ክዓጽዎ ምውሳኑ ብተደጋጋሚ ምፍላጡ ይዝከር።

ይኹን’ምበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት መንግስቲ ኬንያ ነቲ መዓስከር ናይ ምዕጻው ውሳነኡ ክቕይር ኣብ ምምሕጻን ይርከብ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ መንግስቲ ኬንያ ዘቕርቦ ዘሎ ምሕጽንታ: እቶም ሶማላውያን መዓስከር ደደዓብ እንተተዓጽዩ ኣብ ሃገሮም ተመሊሶም ከጋጥሞም ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማት ብምጥቃስዩ።

ቶም ዎልፍ ዝተባህለ ተንታኒ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣይ ፒ ኤስ ኦ ኤስ ክኸውን እንከሎ፥ ንሱ ኬንያውያን ንምዕጻው እቲ መዓስከር ብትሪ ከምዝድግፉዩ ዝገልጽ።

ቶም ዎልፍ “69% ሓበሬታ ዘለዎም እዮም። ኩሎም እቶም 69% ክልተ ሲሶ ምዃኖምዩ ደጊፎሞ ኣለው። ዝበዝሐ ደገፍ ዝተረኽበሉ ኣብ ማዕከላይ ከባቢ እታ ሃገር ክኸውን እንከሎ: ኣብኡ እቲ ደገፍ ምዕጻው ናይቲ መዓስከር 82% እዩ። ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ድማ ሓደ ሲሶ ካብ ተሳተፍቲ ናይዚ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ ማለት 69% ምዃኖምዩ ነቲ ውሳነ ደጊፎሞ ኣለው” ይብል ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰሙናዊ ካብ 500 ክሳብ 1000 ብወለንትኦም ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለው። እዚ ኣሃዝዚ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት 15 ሽሕ ከምዝበጽሐ ድማ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ የረድእ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ: ኣብ ሶማል ንመንግስቲ እታ ሃገር ንምድጋፍን ንኣልሸባብ ኣብ ምውጋእን ተዋፊሩ ካብ ዝርከብ 22 ሽሕ ሓይልታት ሕብረት ኣፍሪቃ ኬንያውያን ይርከብዎም።

ብመሰረት ሓበሬታ ቶም ዎልፍ ተንታኒ ናይዚ ህዝባዊ መለክዒ ምዃኑዩ: ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ኬንያውያን ማለት 56% ሃገሮም ሰራዊታ ካብ ሶማል ክትስሕብ ከምዝደልዩ ኣፍሊጡ። ልዕሊ ሓደ ሲሶ ማለት 38% ድማ ሃገሮም ሰራዊታ ካብ ሶማል ስሒባ ንስግረ ዶባዊ ግብረሽበራ ንምቁጽጻር ኣብ ዶብ ኬን ያን ሶማልን ከተስፍር ከምዝግብኣ ምግላጾም ዎልፍ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ ምወንዳ ንጆካ ነዚ ኣመልኪቱ ን ቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ: ገለ ኬን ያውያን ኣድላይነት ሓይልታት ኬንያ ኣብ ሶማል ከምዘይርኣዮም ገሊጹሎ።

ምወንዳ ንጆካ "ሰራዊትና ኣብ ምርግ ጋእን ጸጥታ ሶማል ኣብ ምውሓስን ዮም ዘለው። እዚ ድማ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ብምጥያስ ናብ ሰላምን ውሕስትን ሃገሮም እዮም ዝኸዱ ዘለው። እቶም ሰራዊት ኬን ያ ካብ ሶማል ክወጹ ዝጠልቡ ዘለው ንኣድላይነት ተራ ሰራዊትና ኣብ ኣሚሶም ካብ ዘይምግንዛብ’ዩ ክኸውን ዝኽእል" ይብል።

ዳይረክተር ማእከል ምሕደራ ቅልውላው ኣብ ኣፍሪቃ ጆርጅ ሙሳማሊ ብወገኑ ጸጥታዊ ጸገም ልዕሊ ጉዳይ ስደተኛታት ምዃኑዩ ዝገልጽ።

XS
SM
MD
LG