ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓሌት ሱማሊያን ስደተኛታት ሱማሊያን ይጋፍዑ ኣለው ክብል ሓደ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኸሲሱ


ፖሊስ ኬንያ እቶም ተበደልቲ ኣብ ክንዲ ናብ ተሓለቕቲ መሰላት ናባና መፂኦም ይጥርዑ ይብል

ፖሊስን ወታደራትን ኬንያ ካብ ሕዳር 2011 ክሳብ ለካቲት 2012 ኣብዘሎ እዋን ንኣማእቲ ዓሌት ሱምሊያን ስደተኛታት ሱማሊያን ብመግረፍትን ካልኦት ምንክልባታትን ከምዝጋፍዕዎም Human Rights Watch ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።እቶም ተፈፂሞም ዝተብሃሉ በደላት ኬንያ ኣብ ውሽጢ ሱምሊያ ናይ ዘካየደቶ ወታደራዊ ምትእትታው ምስ ኣል-ሸባብ ርክብ ዘለዎም ኣኽረርቲ ዝወሰድዎ ምፍዳይ ሒነ እዩ።

Human Rights Watch ኣብ ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ንጉዳይ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝከታተላ ኒኢላ ጎሻል ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ኣብ ክንዲ ንሓልታት ፀጥታ ኬንያ ዒላማ ኣብ ልዕሊ ዝገበሩ ውልቀ ሰባት ኣድላይ ምፅራይን ምርመራን ክገብሩ ሓይልታት ፀጥታ ኬንያ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ኬንያ ንዝርከቡ ዓሌት ሱማሊያ ንዝረኸብዎ ብዘይ ኣፈላላይ ይኣስሩን ይብድሉን ኢለን።

እቲ ተሓላቒ መሰላት ፆታዊ ምድፋር፡ፈተነታት ወሲባዊ መጥቓዕትታት፡ምዝራፍን ምዕናውን ንብረት ምፍፃሞ ምስናዱ ሓቢሩ’ሎ።ከም መብርሂ ጎሻል ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ብዓይነን ከምዝረአያ ሓቢረን።

ምኽትል ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኬንያ ቻርለስ ኦዊኖ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል እቲ ነቐፌታ ሃናፂ’ዃ እንተኾነ ተበዲልና በሃልቲ ሻቐሎቶም ኣብ ክናዲ ናብ ትካላር ተሓለቕቲ መሰላት ናብ ፖሊስ ከቕርቡ ኣለዎም ኢሎም።

XS
SM
MD
LG