ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ኣንፃር ትሕዝቶ ኣል-ሸባብ ናይ መወዳእታ ምጥቓዕቲ ክትፍኑ እያ ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴት ኬንያ


ኬንያ ካብ ሓይልታት ባሕሪ ሕብረት ኣውሮፓ ሓገዝ ተሓትት ኣላ

ቀዳማይ ምንስቴር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ወታደራት ኬንያ ኣብ ልዕሊ ፅንዕቲ ትሕዝቶ ኣል-ሸብባ ዝኾነት ኪስማዮ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ነሓሰ ናይ መደወዳእታ መጥቓዕቲ ከምዝፍንው ኣፍሊጦም።ኬንያ ነቲ ወታደራዊ ስርሒት ዝውዕል ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዝ ከምእትደሊ እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ገሊፆም።

ኣብ ቀረባ ንስትራተጂካዊት ከተማ ኣፍማደው ካብ ኢድ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ምምንዝዖም ዝተተባብዑ ቀዳማይ ምንስቴር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ወታደራቶም ኣብ ልዕሊ ኪስማዮ ትፅቢት ዝተገበረሉ መጥቓዕቲ ንምፍናው ትሕዝቶታቶም የጠናኽሩ ኣለው ኢሎም።

ዕላማና ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ነሓሰ ንኪስማዮ ምሓዝ እዩ ዝብሉ ኦዲንጋ ምኽንያቱ እንትገልፁ’ውን ከምዚ ኢሎም።’’ኪስማዮ ንኣል-ሸባብ ቀንዲ ምንጪ ቀረብ እያ።ንክስማዮ ከየተቖፃፀርካ ንኣል-ሸባብ ካብ ፀዋታ ወፃኢ ንምግባር ወይ’ውን ንምንፃል ኣፀጋሚ እዩ።’’

ወታደራት ኬንያ ናብ ኣሚሶም ወይ’ውን ሓይልታት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሱማሊያ ብወግዒ ክፅምበሩ እናተዳለው ይርከቡ።

ሓይልታት ኢትዮጵያ’ውን ናብ ኪስማዮ እናገስገሱ ይርከቡ።ቀዳማ ምንስቴር ኦዲንጋ እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ወደባዊት ከተማ ዝፍኖ መጥቓዕቲ ዓለምለኸ ወታደራዊ ስርሒት እዩ ክኸውን ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር ኦዲንጋ መንግስቶም ነቲ ወታደራዊ ስርሒት ዝኸውን ሓገዝ ንዩናይትድ ስቴትስ ምሕታቱ ሓቢሮም።ዩናይትድ ስቴትስ ንኣሚሶም ኣብ ምሓግዛ እታ ዝዓብየተ ብሕታዊት ሃገር እያ።ዛጊድ እውን ዩናይትድ ስቴትስ ካብ 2007 ኣ/ፈ ጀሚሩ ናብ 340 ሚሊዮን ዶላር ዝፅጋዕ ገንዘብ ኣወፊያ’ላ።

እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ኬንያ ንማያት ሱማሊያ ካብ ኸተርቲ ባሕሪ የከላኸሉ ካብዘለው ሓይልታት ባሕሪ ሕብረት ኣውሮፓ ሓገዝ ተሓትት ኣላ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG