ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ንአልሸባብ ንምጥፋእ ካብ ሊግ ዓረብ ደገፍ ትሓትት'ላ


'ሚኒስተር ወፃኢ ደገፍ እስላማዊ ዓለም ንምርካብ ናብቲ ከባቢ ተጋዒዞም'ለው

ኣብ ሚኒስትሪ ወፃኢ ኬንያ ሓጋዚ ዲሬክተር ብቀዳም ኣብ ናይሮቢ ንሪፖርተራት ከምዝበልዎ ኬንያ ኣብ ሶማል ኣብ ልዕሊ አልሸባብ ንተካይዶ ውግእ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ሙስሊም መሻርኽታ ገፃ መሊሳ ኢሎም።

ሚኒስተር ወፃኢና ኣብ ማእኸላይ ምብራቅ ደገፋ እስላምዊ ዓለም ንምርካብ ተጋዒዞ'ለው ዝበሉ'ቶም በዓል ስልጣን ኬንያ ደገፍ ሊግ ዓረብ ንምርካብ ንሰርሕ አለና ኢሎም።

ብኻልእ ወገን ሰራዊት ኬንያ ከምዘፍለጦ ሓይልታቱ ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ብምኻን ነቲ ምስ አልቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ አልሸባብ ካብ ከባቢ ዶብ ኬንያ ንምጥፋእ ንሰርሕ አለና ኢሉ'ሎ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG