ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰነት ኬንያ ንምኽትል ፕረዚደንት’ታ ሃገር ካብ መዝነት ምውራድ ከይዲ ምስማዕ ጀሚሩ


ሰነተ ኬንያ
ሰነተ ኬንያ

ሃገራዊ ባይቶ ኬንያ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሉስ ምኽትል ፕረዚደንት ሪጋታ ጋቹንጋ ብዝቐረበሎም 11 ክስታት ብልሽውና፡ ምንሻው መንግስቲን ምልዕዓል ዓሌታዊ ኣፈላላይን ካብ መዝነቶም ክወርዱ ድምጺ ሂቡ ነይሩ። ንሶም እቲ ነቲ ክስታት ብምንጻግ እቲ ክሲ ብተቓወምቲ ኣባላት ፓርላማን ደገፍቲ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዝተወስደ ፖለቲካዊ ስጉምቲ’ዩ ኢሎም።

ጋቻንጋ ሰነት’ታ ሃገር ነቲ ጉዳይ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝጀምረሉ’ውን ነቲ ዝቐረበሎም ክስታት ነጺጎምዎ ኣለዉ። ቤት ፍርዲ ክሳብ ሕጂ ዘሎ መስርሕ ሕጋዊን ንሕገ መንግስቲ’ታ ሃገር ዝተኸተለን ምዃኑ ኩሉ ጉዳያት ናብቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ምስ ተራእዩ ድማ ውሳነ ከምዝሓልፍ ሓቢሩ’ሎ።

ምኽትል ፕረዚደንት ጋቹንጋ ኣብ 2022 ዝተኻየደ ምርጫ ፕረዚደንት ሩቶ ብፍላይ ካብ ማእከላይ ኬንያ ደገፍ ክረኽቡ ከምዝሓገዙ ዝፍልጥ ኮይኑ ድሒሩ ግን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሰብ-መዚ ነቲ ፖለቲካዊ ፍልልያት ክርኣ ጸኒሑ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG